መደብ 16 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
16 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 10ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 6 ¶17-24፡ ኣብ ገጽ 48 ዘላ ሳጹን (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ህዝቅኤል 15-17 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ህዝቅኤል 16:14-27 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ እቲ የሱስ ኣብ ዮሃንስ 18:37 ዝጠቐሶ ሓቂ እንታይ እዩ፧ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ወዲ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ይኹን ድሕሪኡ ትሕቲ ኣቦ እዩ—td 22ለ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ንቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፡ ከም ኣገልጋሊ መጠን ዕቤት ንኽትገብር ተጠቐመሉ። ሓላው ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ኣብ ገጽ 6፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1፡ ክሳዕ መወዳእታ ገጽ 8 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲሱ ዜቕርቦ መደረ። እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ከም ዝጠቐሞም ኪገልጹ ንዚኽእሉ ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ቓለ መጠይቕ ግበረሎም።
20 ደቒቕ፦ “ሰባት ንኣምላኽ ንኺሰምዕዎ ሓግዞም።” ሕቶታትን መልስታትን። ንሕጡብ ጽሑፍ 5 ክትመያየጡላ ኸለኹም፡ ሓንቲ ኻብተን ብሮሹራት ብኸመይ ክትዕደል ከም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። ንሕጡብ ጽሑፍ 6 ምስ ተመያየጥኩምላ፡ ሓደ ኣስፋሒ በታ ንኣምላኽ ስምዓዮ ዘርእስታ ብሮሹር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እናመርሐ፡ ነታ ኣብ ገጽ 4 ዘላ ቐዳመይቲ ስእሊ ኺመያየጠላ ኸሎ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 6ን ጸሎትን