መደብ 4 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መደብ 4 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 45ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 4 ¶13-20፡ ኣብ ገጽ 34 ዘላ ሳጹን (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ኤርምያስ 51-52 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ኤርምያስ 52:17-27 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ኣምላኽ ዜዕርፈላ ሰንበት (7ይቲ መዓልቲ እታ ናይ ፍጥረት “ሰሙን”)—td 20ሐ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ሰባት ኣብ “ጸግዒ” የሆዋ ኺሓድሩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧—መዝ. 91:1, 2, 9 (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ልቢ ኽትትንክፍ እትኽእለሉ መገድታት—2ይ ክፋል። ኣብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ካብ ገጽ 261፡ ሕጡብ ጽሑፍ 2፡ ክሳዕ መወዳእታ ገጽ 262 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ሰነ መጽሔታት ንምዕዳል ዚጠቅም ርእይቶታት። ምይይጥ። ንሓደ ወይ ንኽልተ ደቓይቕ፡ ኣብ ክልኹም ሰፊሕ ተቐባልነት ኪህልወን ብዛዕባ ዚኽእል ዓንቀጻት ግለጽ። ድሕሪኡ፡ ሰማዕቲ ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ግምቢ ዘብዐኛ ተጠቒሞም፡ እንታይ ተገዳስነት ዜለዓዕል ሕቶ ኺሓትቱ ኸም ዝሓሰቡን ነየነይቲ ጥቕሲ ኼንብቡ ኸም ዝወሰኑን ኪገልጹ ዓድሞም። ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ንቕሑ! እውን ከምኡ ግበር፣ ግዜ እንተ ኣልዩ ድማ ካብ ሓዲኡ መጽሔት፡ ካልእ ዓንቀጽ ወስኽ። ነፍሲ ወከፍ ሕታም ብኸመይ ክትብርከት ከም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 29ን ጸሎትን