ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ
እተፈተኹም መሰኻኽር የሆዋ፦
ኣቱም ቍጽርኹም ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን በጺሑ ዘሎ እተፈተኹም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ፡ እዛ ደብዳበ እዚኣ ኽንጽሕፈልኩም ከለና ኣዝዩ እዩ ባህ ዚብለና። ምስ ሓደ ቕድሚ ሕጂ ርኢኹምዎ ዘይትፈልጡ ኻብ ካልእ ሃገር ዝመጸ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይኩም ክትራኸቡ ኸለኹም፡ ሽዑ ንሽዑ ኸም እትፈትውዎ ፍሉጥ እዩ። (ዮሃ. 13:34, 35) ንመጽሓፍ ዓመት ኣብ እተንብብዋ እዋን፡ እቶም ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ዘለዉ ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ነቲ ዜርእይዎ ዘለዉ ኣዝዩ ዜገርም እምነትን ጽንዓትን ዚገልጽ ማራኺ ጸብጻብ ክትረኽቡ ኢኹም። እዚ ድማ ነቲ ዘሎና ፍሉይ ርክብ ዝያዳ ኸም እትሕጐስሉ ኺገብረኩም እዩ።
ካብ መላእ ዓለም እተረኽበ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ መብዛሕትኹም ንመደብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ኣርዚንኩም ከም እትርእይዎ እዩ ዚገልጽ። እቶም ንኣሽቱ ቘልዑ ዘለዉኹም፡ ኣቓልቦ ደቅኹም ከም ዚስሓብ ዚገብር እተፈላለየ ባህ ዜብልን ማራኽን መደባት ከም እተውጽኡ ፍሉጥ እዩ። (ኤፌ. 6:4) ሳላ እዚ መደብ እዚ፡ ሰብ ሓዳር ሓቢሮም ብምጽናዖም ርክቦም እናደልደለ ይኸይድ ከም ዘሎ ተራእዩ እዩ። (ኤፌ. 5:28-33) ውልቀ ሰባትን ስድራ ቤታትን ካብዚ ዓሚቝ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ዚግበረሉ ምድላው እዚ ይጥቀሙ ምህላዎም ዜጠራጥር ኣይኰነን።—እያ. 1:8, 9።
ኣቱም ብምኽንያት ኣብዚ ቐረባ እዋን ዘጋጠመ ባህርያዊ ሓደጋታት ቤተሰብኩምን ንብረትኩምን ዝሰኣንኩም፡ ኵላትኩም ተደንግጹና ኢኹም። ነቶም ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ዅነታት ውዓል ሕደር ከይበልኩም ረድኤትን ሓገዝን ኣብ ምሃብ እተኻፈልኩም ዘበልኩም፡ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ኸነመስግነኩም ንፈቱ። (ግብ. 11:28-30፣ ገላ. 6:9, 10) ብተወሳኺ፡ ገሌኻትኩም ኣብ ገጉባኤኹም ንዘለዉ ስጋዊ ሓገዝ ዜድልዮም ኣሕዋትና ኣለሊኹም፡ ዜድልዮም ሓገዝ ትገብሩሎም ምህላውኩም ንፈልጥ ኢና። ከምታ ጥንቲ ዝነበረት “ጽቡቕ ግብሪ ዝመልኣ ምጽዋትውን እትምጽውት” ዝነበረት ዶርቃስ ኢኹም እትገብሩ ዘለኹም። (ግብ. 9:36) የሆዋ ነዚ ኸም ዜስተብህለሉን፡ ከም ዚኽሕሰኩምን ርግጸኛታት ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም።—ማቴ. 6:3, 4።
ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ በቶም “ከም ሕጊ ኢና እናበሉ ዓመጽ ዚገብሩ” መሰልኩም ተነፊግኩም ኢኹም። (መዝ. 94:20-22) የሱስ ከምዚ ዝኣመሰለ መስጐጕቲ ኸም ዜጋጥም ተነብዩ ኸም ዝነበረ ስለ እትፈልጡ፡ ብትብዓት ትጸመሙን ኣብቲ መዕቘቢኹም ዝዀነ የሆዋ ትውከሉን ኣሎኹም። (ዮሃ. 15:19, 20) እተፈተኹም ኣሕዋት፡ “ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ” ጸኒዕኩም ብዝቐጸልኩም መጠን፡ ወትሩ ኣብ ጸሎትና ኽንጠቕሰኩም ምዃንና ኸነረጋግጸልኩም ንፈቱ።—1 ጴጥ. 3:13-15።
ኣቱም ነቲ ሰይጣን ብዕሉግ ተግባራት ንምስፍሕፋሕ ዚጥቀመሉ ሰላሕታዊ ሜላታት ሰጊርኩም፡ በብዓመቱ ብስነ ምግባር ንጹሃት ኴንኩም እትነብሩ ዘሎኹም ብሚልዮናት እትቝጸሩ ኣሕዋትና፡ ዝዓዘዘ ናእዳ ይግብኣኩም። ስነ ምግባራዊ መለክዒታት ዓለም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኣንቈልቈለ ኣብ ዚኸደሉ ዘሎ እዋን፡ “ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን” በርቲዕኩም ኣሎኹም። (ኤፌ. 6:10) ስለዚ፡ ‘ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ለቢስኩም’ ኢኹም። (ኤፌ. 6:11, 12) የሆዋ ንኣብነትኩም ነቲ ተጻራፊ ዝዀነ ሰይጣን ንጹር መልሲ ንምሃብ ከም ዚጥቀመሉ ኣይትረስዑ።—ምሳ. 27:11።
ኣብ 2011 ኣብ እዋን ዝኽሪ ሞት ጐይታና፡ 19,374,737 ተኣከብቲ ኸም ዝነበሩ ምፍላጥና ኣሐጕሱና እዩ። እዚ ኣዝዩ ብዙሕ ቍጽሪ ተኣከብቲ ኺርከብ እተኻእለ፡ ሳላ እቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ሓገዝቲ ፈለምቲ ንኽትኰኑ ዝቐረበልኩም ጻውዒት ዝሃብኩምዎ ምላሽ እዩ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ተቐማጦ ምድሪ፡ ነቲ ኻብቶም እሙናት መሰኻኽር የሆዋ ዚወጽእ ንየሆዋ ዚውድስ ሓባራዊ ድምጺ ኺሰምዕዎ ይኽእሉ እዮም። (ሮሜ 10:18) ኣቱም ሓደ ኻብቶም 2,657,377 ብምዃን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዄንኩም ዘገልገልኩም፡ ወይ ከኣ ኣብ እተፈላለየ ንጥፈታት ኣገልግሎትኩም ንምስፋሕ ዝጸዓርኩም፡ በቲ ዘርኣኹምዎ ናይ ፍታው መንፈስን ነቲ ዕዮ ብዝነበረኩም ቅንኣትን ንልብና ብሓጐስ ፍንጭሕ ከም ዚብል ኢኹም ጌርኩም።—መዝ. 110:3፣ ቈሎ. 3:23።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ 263,131 ሓደስቲ ሰባት ህይወቶም ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩ ኣርእዮም እዮም። ነዚ እተረኽበ ዕቤት ንየሆዋ ነመስግኖ ኢና። ነቶም ምሳና ሓቢርኩም፡ “እቲ ዚሰምዕውን፤ ንዓ፡ ይበል። ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ፡ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ” ንዚብል ዕድመ እትዝርግሑ ዘለኹም ኵላትኩም እውን ኣዚና ነመስግነኩም። (ራእ. 22:17) ብፍላይ ኣብቲ ብ2011 እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃና፡ ነታ ዝቘመት መንግስቲ ኣምላኽ ዚምልከት እተፈላላየ መዳያት ዝሓዘ ትምህርቲ ምስ ወሰድና፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ብውዕውዕ ስምዒት “መንግስትኻ ኣምላኽ ትምጻእ!” ንብል ኣሎና። በቲ የሱስ ዝሃቦ “ቐልጢፈ እመጽእ አሎኹ” ዚብል መረጋገጺ ተነቓቒሕና ድማ፡ ምስ ሃዋርያ ዮሃንስ ኴንና፡ ብምሉእ ልብና “ኣሜን፡ ጐይታና የሱስ፡ ንዓ” ንብል።—ራእ. 22:20።
ኣቱም ነቲ ዜሐጕስ ፍጻመ እቲ ነቒሕኩም እናተኸታተልኩም፡ ንየሆዋ ዘላትኩም ፍቕሪ “ብግብርን ብሓቅን” እተርእዩ ዘሎኹም እተፈተኹም ኣሕዋትን ኣሕዋትን፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ከም እነፍቅረኩም ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ።—1 ዮሃ. 3:18።
ኣሕዋትኩም፡
ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር