ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ (9,250)፡ ሓድሽ ዝለዓለ ቍጽሪ ስሩዓት ፈለምቲ ኸኣ (1,592) በጺሑ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ካብ ሓሙሽተ ኣስፋሕቲ ሓደ ስሩዕ ፈላሚ ወይ ከኣ ፍሉይ ፈላሚ ምዃኑ የሐጕሰና እዩ። ብተወሳኺ፡ ሓያሎ ኻባኻትኩም ኣብ ወርሒ መጋቢት ሓገዝቲ ፈለምቲ ዄንኩም ከተገልግሉ መሰል ብምርካብኩም ተባሪኽኩም ኢኹም። እዚ ዅሉ ድማ፡ ንየሆዋ ዚውድስ ብዙሕ ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ ኣፍርዩ እዩ። ሕጂ ኸኣ፡ ካብቲ ፍሉይ ወፍሪ ኽልናን ካብ ንጥፈታት በዓል ዝኽርን ጸብጻብ ክንረክብ ተሃንጢና ኣሎና። ኣብዚ ብትግሃት እትዓይዎ ዕዮ፡ ንዅሎም ዝረኸብኩምዎም ተገደስቲ ሰባት ብንቕሓት ክትከታተልዎም ነተባብዓኩም።