ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ለካቲት፦ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት። መጋቢት፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ኣብ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ጽዓር። ሚያዝያን ግንቦትን፦ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን። እቲ ብዓል ቤት ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ፡ ነታ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት ሃቦ፣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ከኣ ጻዕሪ ግበር።
◼ ደድሕሪ በዓል ዝኽሪ ኣብ ዘሎ መወዳእታ ሰሙን፡ “መወዳእታ ኻብቲ እትሓስብዎ ንላዕሊ ቐሪቡ ድዩ፧” ዘርእስቱ ፍሉይ መደረ ኪቐርብ እዩ።
◼ ካብ 1 ለካቲት 2012 ጀሚሩ፡ ኣብ ሕታም ህዝቢ ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ንዓይ ዚኸውን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ” ዚብል ዓምዲ ኺወጽእ እዩ። እዚ ዓምዲ እዚ፡ ወለዲ ምስቶም ሰለስተ ዓመትን ትሕቲኡን ዝዕድሚኦም ደቆም ንኺጥቀሙሉ ተባሂሉ እተዳለወ ዀይኑ፡ ምስቲ “ንደቅኻ ምሃሮም” ከምኡውን “ንመንእሰያት” ዚብል ዓምድታት በብተራ ኺወጽእ እዩ።
◼ ኣብ እዋናዊ ጸብጻብ ኣገልግሎት ብስም ናብ ዘይተጠቕሰት ወይ ከኣ ኣብ ድሕሪት ገጽ ናይ ቀረባ እዋን መጽሓፍ ዓመት ኣድራሻኣ ናብ ዘይርከብ ሃገር ክትከዱ እንተ መዲብኩም፡ እንታይ ጥንቃቐታት ክትገብሩ ወይ እንታይ ፍሉይ መምርሒታት ክትስዕቡ ኸም ዘሎኩም ንምፍላጥ፡ ንቤት ጽሕፈት ጨንፈርኩም ተወከሱ። ኣብታ ሃገር እቲኣ ዚካየድ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ትሕቲ እገዳ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ማቴ. 10:16) ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ በጻሕቲ ምስ ኣሕዋት ወይ ምስ ጉባኤታት ኪራኸቡ ጥበባዊ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ወይ ጽሑፋት ሒዝካ ብዛዕባ ምኻድ መምርሒ ኺወሃበኩም ይኽእል ይኸውን። ምስቲ ዚወሃበኩም መምርሒ ተሰማሚዕኩም ምኻድኩም፡ ንርእስኹም ወይ ድማ ኣብታ እትበጽሕዋ ሃገር ንዚግበር ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ዘየድሊ ጸገማት ንኸየጋጥም ይሕግዝ እዩ።—1 ቈረ. 14:33, 40።