ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት፡ ኣብታ 27 ለካቲት 2012 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። ኣስፋሕቲ ኣብ ሰሰሙን፡ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኪዳለዉ ኸለዉ ኣብ ዚገብርዎ ምርምር ምእንቲ ኺሕግዞም፡ ነፍሲ ወከፍ ነጥቢ ዚቐርበሉ ዕለት ተሓቢሩ ኣሎ።
1. ፍትሒ የሆዋ ብምሕረቱ እዩ ዚለዝብ ምባልሲ ቕኑዕ ድዩ፧ (ኢሳ. 30:18) [9 ጥሪ፡ w02 1/3 ገጽ 30]
2. ሸብና ኣዛዝ ቤት ህዝቅያስ ኰይኑ ኻብ ምግልጋል ምውራዱ፡ እንታይ ኪምህረና ይኽእል፧ (ኢሳ. 36:2, 3, 22) [16 ጥሪ፡ w07 15/1 ገጽ 8 ሕ.ጽ. 6]
3. ንጸበባ ብኸመይ ከም እንዋጽኣሉ፡ ካብቲ ኣብ ኢሳይያስ 37:1, 14-20 ዚርከብ ጸብጻብ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ [16 ጥሪ፡ w07 15/1 ገጽ 9 ሕ.ጽ. 1-2]
4. እቲ ኣብ ኢሳይያስ 40:31 ተገሊጹ ዘሎ ምሳሌ፡ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ዜተባብዖም ብኸመይ እዩ፧ [23 ጥሪ፡ w96 15/6 ገጽ 10-11]
5. ብፍላይ ኣብዚ ግዜ እዚ እንታይ ዓይነት መጥቃዕቲ ይቐርብ ስለ ዘሎ እዩ እቲ ኣብ ኢሳይያስ 41:14 ዚርከብ ቃላት የሆዋ ዜተባብዓና፧ [23 ጥሪ፡ ip-2-E ገጽ 24 ሕ.ጽ. 16]
6. ‘ጽድቂ ኸም እንስዕብ’ ንየሆዋ ብኸመይ ከነርእዮ ንኽእል፧ (ኢሳ. 51:1) [6 ለካ.፡ ip-2-E ገጽ 165 ሕ.ጽ. 2]
7. እቶም ኣብ ኢሳይያስ 53:12 ተጠቒሶም ዘለዉ “ብዙሓት” መን እዮም፧ ካብቲ የሆዋ ንዓታቶም ዝሓዘሉ መገዲኸ እንታይ ልቢ ዚትንክፍ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧ [13 ለካ.፡ ip-2-E ገጽ 213 ሕ.ጽ. 34]
8. ህዝቢ የሆዋ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 60:17 ብምሳልያዊ መገዲ ተገሊጹ ዘሎ ምምሕያሽ፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዚረኽብዎ ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧ [20 ለካ.፡ ip-2-E ገጽ 316 ሕ.ጽ. 22]
9. ኣገዳስነት እታ የሱስን ሰዓብቱን ኪእውጅዋ እተኣዘዙ “ዓመት ጸጋ” እንታይ እዩ፧ [20 ለካ.፡ ip-2-E ገጽ 324-325 ሕ.ጽ. 7-8]
10. ኣየናይ ብሉጽ ባህርይ የሆዋ እዩ ኣብቲ ኣብ ኢሳይያስ 63:9 ዚርከብ ቃላት ጐሊሑ ዘሎ፧ [27 ለካ.፡ w03 1/7 ገጽ 19 ሕ.ጽ. 22-23]