ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት፡ ኣብታ 26 ታሕሳስ 2011 እትጅምር ሰሙን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ።
1. እቲ ኣብ ምሳሌ 30:32 ዚርከብ ምኽሪ፡ ንሓደ ዝበደልናዮ ሰብ እንደገና ንኸይነቘጥዖ ኪኽልክለና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ [w87-E 15/5 ገጽ 30 ሕ.ጽ. 11]
2. ሓደ ሰብ ከም ዘይዓገበ ዀይኑ ንኺስምዖ ዚገብር እንታይ ዓይነት “ታሕጓስ” እዩ፧ (መክ. 2:1) [g-E 4/06 ገጽ 6 ሕ.ጽ. 1-2]
3. ዋላ እኳ ገሊኣቶም ሰባት፡ እቲ ኣብ መክብብ 3:1-9 ተመዚጊቡ ዚርከብ ቃላት ሰሎሞን ንጽሕፍቶ ኸም ዚድግፍ እንተ ገለጹ፡ እቲ ኣብ መክብብ 9:11 ዚርከብ ንሱ ዝጸሓፎ ሓሳብ፡ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ነገራት ብጽሕፍቶ ኸም ዘይውሰን ዜብርህ ብኸመይ እዩ፧ [w09 1/3 ገጽ 4 ሕ.ጽ. 4]
4. “እምብዛ ጻድቕ” ምዃን እንታይ ሓደጋ ኣለዎ፧ (መክ. 7:16) [w10 15/10 ገጽ 9 ሕ.ጽ. 8-9]
5. ነቶም ኪምርዓዉ ዚሓስቡ፡ መጻምድቲ ኣብ ዚመርጹሉ እዋን ኪህወኹ ኸም ዘይብሎም፡ መሃልየ መሃልይ 2:7 እትሕብሮም ብኸመይ እያ፧ [w06 15/11 ገጽ 19 ሕ.ጽ. 1፣ w80-E 15/4 ገጽ 19 ሕ.ጽ. 7]
6. “ከናፍር” እታ ሱላሚት “መዓር ወለላ የንጠብጥብ” ዚብልን ‘መዓርን ጸባን ኣብ ትሕቲ መልሓሳ’ ኸም ዝነበረ ዚገልጽን ሓሳብ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ (መሃልየ መሃልይ 4:11) [w06 15/11 ገጽ 19 ሕ.ጽ. 6]
7. እቲ “ግሩም መካር፡” “ብርቱዕ ኣምላኽ፡” “ኣቦ ዘለኣለም፡” ዚብል መዓርጋት፡ ባህርያት የሱስን እቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚህቦ መሪሕነትን ንኸነስተውዕል ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (ኢሳ. 9:6) [w91-E 15/4 ገጽ 5 ሕ.ጽ. 7]
8. ሎሚ ምስቲ “ረሲእ ህዝቢ” ወይ ከሓዲ ህዝቢ እስራኤል ዚመሳሰል መን እዩ፧ ነዚ ኸሓዲ ህዝቢ እዚ ንምጥፋእከ ኸም “በትሪ” የሆዋ ዀይኑ ዜገልግል መን እዩ፧ (ኢሳ. 10:5, 6) [ip-1-E ገጽ 145 ሕ.ጽ. 4-5፣ ገጽ 153 ሕ.ጽ. 20]
9. እቲ ኢሳይያስ፡ “ሰብ ኣብኣ ንዘለኣለም ኣይኪሰፍርን እዩ” ዚብል ንባቢሎን ኣመልኪቱ እተነበዮ ትንቢት፡ ኣዝዩ ዜደንቕ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ፍጻሜኡኸ ሎሚ እንታይ ምትእምማን እዩ ዜሕድረልና፧ (ኢሳ. 13:19, 20) [g-E 11/07 ገጽ 9 ሕ.ጽ. 4-5]
10. የሱስ፡ “መኽፈቻ ቤት ዳዊት” እተቐበለ መዓስ እዩ፧ ነዚኸ ብኸመይ እዩ ዚጥቀመሉ ዘሎ፧ (ኢሳ. 22:22) [w09 15/1 ገጽ 31 ሕ.ጽ. 2]