መደብ 14 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
14 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 49ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cf ምዕ. 13 ሕ.ጽ. 9-17 (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ መክብብ 1-6 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ መክብብ 6:1-12 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን እዩ ተጻሒፉ—td 9ሐ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ኣብ ሮሜ 12:19 ዚርከብ ምኽሪ ዚስዕብዎ ስለምንታይ እዮም፧ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
15 ደቒቕ፦ ‘ብልግሲ ምሃብ’ የሐጕሰካ ድዩ፧ ኣብ ናይ 15 ሕዳር 2011 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 22-23 እተመስረተ መደረ።
15 ደቒቕ፦ “ዘርኢ ንኺበቍል፡ ኪሰቲ ኣለዎ።” ሕቶታትን መልስታትን። ንሕጡብ ጽሑፍ 3 ምስ ተመያየጥኩምላ፡ ሓደ ኣስፋሒ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ኪዳሎ ኸሎ ዜርኢ፡ ምስ ነፍስኻ ብምዝራብ ዚግበር መርኣያ የቕርብ። ነቲ ብዛዕባ እቲ ውልቀ ሰብ ኣብ መዝገቡ ዘስፈሮ ነጥብታት ርእይ ርእይ የብሎ፣ ነታ ኣብ መወዳእታ ዝርርቦም ነቲ ብዓል ቤት ዘበገሰሉ ሕቶ ኣብ ግምት ብምእታው፡ በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ብኸመይ መጽናዕቲ ኸም ዜጀምር ይሓስበሉ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ እተወደበ ኣብ ገጽ 85፡ ሕጡብ ጽሑፍ 3 ዘሎ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ዚሕግዝ ሓሳባት ኣሕጽር ኣቢልካ ኣቕርቦ።
መዝሙር 44ን ጸሎትን