መደብ 9 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
9 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 48ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cf ምዕ. 4. ሕ.ጽ. 11-18 (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ መዝሙር 1-10 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ መዝሙር 7:1-17 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ “ኣብ ኵሉ ሃይማኖታት ጽቡቕ” ዚመስል እኳ እንተሎ፡ ስምረት ኣምላኽ ኣየረጋግጽን—td 1መ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ የሱስ ንሓደ ሰብኣይ “ሄር መምህር” ኢሉ ብምዝራቡ ዝኣረሞ ስለምንታይ እዩ፧—ማር. 10:17, 18 (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ። (ግብ. 5:29) ኣብ መጽሓፍ ዓመት 2011 (እንግሊዝኛ)፡ ካብ ገጽ 219፡ ሕጡብ ጽሑፍ 4፡ ክሳዕ ገጽ 221፡ ሕጡብ ጽሑፍ 2 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንነፍሲ ወከፍ ተመክሮ ምስ ተመያየጥኩምሉ፡ ሰማዕቲ ኻብቲ ተመክሮ ብዛዕባ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ግዜ ዕረፍትኻ ሓጋዚ ፈላሚ ኽትከውን ምኸኣልካዶ፧ ምይይጥ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ እተወደበ፡ ኣብ ገጽ 112-113 ተጠቒሱ ዘሎ ብቕዓታት ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። ነቶም ነቲ ኻብ ስራሕ ወይ ካብ ትምህርቲ ዝረኸብዎ ዕረፍቲ፡ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ንምግልጋል እተጠቕሙሉ ኣስፋሕቲ፡ ብዛዕባ ዝረኸብዎ በረኸት ኪገልጹ ዓድሞም።
10 ደቒቕ፦ ‘ብርሃንኩም ይብራህ።’ ሕቶታትን መልስታትን። ሰማዕቲ፡ ሰናይ ኣካይዳኦም ምስክርነት ንምሃብ ብኸመይ ኣጋጣሚ ኸም ዝኸፈተሎም ዜርኢ ብሕታዊ ተመክሮታት ኬዘንትዉ ዓድሞም።
መዝሙር 45ን ጸሎትን