መደብ 11 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
11 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 44ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cf ምዕ. 3 ሕ.ጽ. 1-9 (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ እዮብ 21-27 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ እዮብ 25:1–26:14 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ መስቀል ንኣምልኾ ኽንጥቀመሉ ዘይግባእ ስለምንታይ ኢና፧ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ጥራይ እያ ዘላ—td 1ሀ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት። ሰባት ንበዓል ዝኽሪ ንምዕዳም ኣብ ዚግበር ወፈራ፡ ኣብ ጉባኤኹም ዚርአ ዘሎ ምዕባለ ሓብር።
10 ደቒቕ፦ ዘርእኻ ዝራእ፡ ንምሸቱ እውን ኢድካ ኣይተብኵር። (መክ. 11:6) ኣብ መጽሓፍ ዓመት 2011 (እንግሊዝኛ)፡ ካብ ገጽ 170፡ ሕ.ጽ. 2፡ ክሳዕ ገጽ 173፡ ሕ.ጽ. 4 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንነፍሲ ወከፍ ተመክሮ ምስ ተመያየጥኩምሉ፡ ሰማዕቲ ኻብቲ ተመክሮ ብዛዕባ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።
10 ደቒቕ፦ ብደብዳበ ብኸመይ ከም እትምስክር። ኣብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ ኣብ ገጽ 71-73 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ።
10 ደቒቕ፦ “ሓያል ምስክርነት ኪወሃብ እዩ።” ሕቶታትን መልስታትን።
መዝሙር 8ን ጸሎትን