መደብ 14 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
14 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 10ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cf ምዕ. 1 ሕ.ጽ. 16-20፡ ገጽ 13 ሳጹን (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ እዮብ 1-5 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፡ እዮብ 3:1-26 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፡ ካብ ኣዋልድ ጸሎፍሓድ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧—ዘሁ. 36:10-12 (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፡ ጸሎት ምድግጋም፡ ናብ ማርያም ወይ ናብ “ቅዱሳን” ምጽላይ ቅቡል ኣይኰነን—td 42ለ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
15 ደቒቕ፦ ንየሆዋ ብምግልጋል በረኸት ይርከብ። (ምሳ. 10:22) ኣብ መጽሓፍ ዓመት 2010፡ ካብ ገጽ 225፡ ሕ.ጽ. 1 ኽሳዕ ገጽ 226፡ ሕ.ጽ. 2፣ ገጽ 227-228፣ ካብ ገጽ 232፡ ሕ.ጽ. 1 ኽሳዕ ገጽ 233፡ ሕ.ጽ. 1 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚቐርብ ምይይጥ። ንነፍሲ ወከፍ ተመክሮ ምስ ተመያየጥኩምሉ፡ ሰማዕቲ ኻብቲ ተመክሮ ብዛዕባ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።
15 ደቒቕ፦ “ሞሳና ነርኢ።” ሕቶታትን መልስታትን። ንበዓል ዝኽሪ ዚምልከት ኣብ ጉባኤኹም እተገብረ መሰናድዎታት ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ።
መዝሙር 8ን ጸሎትን