ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/11 ገጽ 1
  • ኣዝዩ ባህ ዜብል ዕዮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣዝዩ ባህ ዜብል ዕዮ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ክትሕግዝ ትኽእልዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ናብ ጥምቀት ዜብጽሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ትመርሕ፧—ካልኣይ ክፋል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ሓጐስ ርኸብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
km 1/11 ገጽ 1

ኣዝዩ ባህ ዜብል ዕዮ

1. ኣብዚ ግዜና ሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ካብ ጸገማቶም ንኺጥዕዩ እንታይ እዩ ዚግበር ዘሎ፧

1 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ሰባት ካብ ዝነበሮም ኣካላዊ ጸገማት ብተኣምራዊ መገዲ ይጥዕዩ ነበሩ፣ እቶም ነዚ ዝረኣዩ ኸኣ ኣዝዮም ተሓጒሶም እዮም። (ሉቃ. 5:24-26) ኣብዚ ግዜና እውን ሰባት መንፈሳዊ ጥዕና ንኺረኽቡ ኣብ ዚግበር ዕዮ ብምክፋልና ንሕጐስ ኢና። (ራእ. 22:1, 2, 17) ቃል የሆዋን መንፈስ ቅዱስን ንህይወት ሰባት ከም ዝቐየረ ዚገልጽ ተመክሮታት ምንባብሲ ኽንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ! ዕቤት ዘለዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ብምምራሕ ኣብዚ ዕዮ እዚ ምስ እትካፈል እሞ ኸኣ ዝያዳ እዩ ባህ ዜብል።

2. ንሓደ ሰብ ሓቂ ኽንምህሮ ኸለና እንታይ ሓጐስ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

2 ስም ኣምላኽ መን እዩ፧ ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧ መንግስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ እንታይ ክትገብረሎም እያ፧ ንኸምዚ ዝኣምሰለ ሕቶታት መልሲ ኽንህብ ከለና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓደ ተመሃራይ፡ ሓቂ ብምፋላጡ ሓጐሱ ኺገልጽ ከሎ ኽንርኢ ኸለና እውን ንሕጐስ ኢና። (ምሳ. 15:23፣ ሉቃ. 24:32) ሓደ ተመሃራይ ዕቤት እናገበረ ምስ ከደ፡ ኣከዳድናኡን ኣመለኻኽዓኡን የመሓይሽ፡ ሕማቕ ተግባራት የወግድ፡ ስም የሆዋ ኺጽውዕን ንኻልኦት ኪምስክርን ከኣ ይጅምር ይኸውን። ርእሱ ወፍዩ እንተ ተጠሚቑ ኸኣ፡ ሓውናን መዓይይትናን ይኸውን። ኵሉ እዚ ኣወንታዊ ስጕምትታት እዚ ሓጐስ የምጽእ እዩ።—1 ተሰ. 2:19, 20።

3. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምር እንታይ ኣወንታዊ ስጕምትታት ኢና ኽንወስድ እንኽእል፧

3 ኣብዚ ዕዮ እዚ ኽትካፈል ትኽእልዶ፧ ኣብዚ ኣዝዩ ባህ ዜብል ዕዮ ኽትካፈል እንተ ደሊኻ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምምራሕ መሰል ምእንቲ ኽትርከብ ንየሆዋ ብጸሎት ለምኖ፡ ምስ ጸሎትካ ተሰማሚዕካ ኸኣ ዕየ። (1 ዮሃ. 5:14) ኣብቲ ሰባት ዚርከቡሉ ቦታን ሰዓትን ስበኽ። ኣብ ዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ኸኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ዕድመ ኣቕርብ። (መክ. 11:6) ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ እንተ ረኺብካን ዘርኢ ሓቂ እንተ ዘርኢኻን ተመሊስካ ኣስቲ።—1 ቈረ. 3:6-9።

4. ብናይ ህጹጽነት መንፈስ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጀምር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

4 ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ኣለዉ። ብመንፈስ ምእንቲ ኺጸግቡ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕ ኪሕግዞም ዚኽእል መን እዩ፧ (ማቴ. 5:3, 6) እቲ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ቐውዒ ቕድሚ ምዝዛሙ፡ ነዚ ዕዮ እዚ ንምቅልጣፍ ብፍታው ርእስና ነቕርብ።—ኢሳ. 6:8።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ