ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት፡ ኣብታ 27 ታሕሳስ 2010 እትጅምር ሰሙን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ኻብ 1 ሕዳር ክሳዕ 27 ታሕሳስ 2010 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 20 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ።
1. ካብቲ ኣብ 1 ዜና መዋእል 16:34 ተመዝጊቡ ዘሎ ሌዋውያን ዘመርቲ ዝዘመርዎ መዝሙር ውዳሰ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ [w02 15/1 ገጽ 11 ሕ.ጽ. 6-7]
2. የሆዋ ኣብ 1 ዜና መዋእል 22:8፡ ዳዊት ቤት ኪሰርሓሉ ኸም ዘይደሊ ብምግላጹ፡ እቲ ዳዊት እተዋግኦ ውግእ ጌጋ ኸም ዝነበረ ድዩ ዜመልክት፧ ግለጽ። [it-2-E ገጽ 987 ሕ.ጽ. 1]
3. ንጉስ ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ኪስምዖ እዩ ደልዩ ነይሩ፧ (1 ዜና 28:9) [w08 15/10 ገጽ 7 ሕ.ጽ. 18]
4. ነቲ ፍሲ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ምስሊ ኣብዑር ምግባሮም ግቡእ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (2 ዜና 4:2-4) [w05 1/12 ገጽ 19 ሕ.ጽ. 3፣ w98 15/6 ገጽ 16 ሕ.ጽ. 17]
5. እቲ ታቦት ኪዳን ነተን ክልተ ጽላት እምኒ ጥራይ ድዩ ሒዙ ነይሩ፡ ወይስ ካልእ ነገራት እውን ኣብኡ ነይሩ እዩ፧ (2 ዜና 5:10) [w06 15/1 ገጽ 31]
6. ሰሎሞን ንየሆዋ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ “ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ እንተ ጸለየ” ንኺሰምዖ ኺልምን ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (2 ዜና 6:21, 32, 33) [it-1-E ገጽ 137 ሕ.ጽ. 1]
7. እቲ ኣብ 2 ዜና መዋእል 13:5 ተጠቒሱ ዘሎ “ናይ ጨው ኪዳን” ዚብል መግለጺ እንታይ ማለት እዩ ነይሩ፧ [w05 1/12 ገጽ 20 ሕ.ጽ. 2፣ it-2-E ገጽ 842 ሕ.ጽ. 7]
8. እቲ ኣብ 2 ዜና መዋእል 17:9, 10 ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ኣብ ኣገልግሎትና ኺዓዪ ዚኽእል ከመይ ኢሉ እዩ፧ [w09 15/6 ገጽ 12 ሕ.ጽ. 7]
9. ሎሚ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ምስቲ ኣብ 2 ዜና መዋእል 20:17 ዚርከብ ቃላት ብምስምማዕ እንታይ እዮም ዚገብሩ፧ [w03 1/6 ገጽ 21-22 ሕ.ጽ. 14-17]
10. ካብቲ ንጉስ ዑዝያ ብትዕቢት ብዛዕባ ዝገበሮ ተግባር ዚገልጽ ጸብጻብ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (2 ዜና 26:15-21) [w99 1/12 ገጽ 26 ሕ.ጽ. 1-2]