ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ጥቅምቲ፦ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ!። እቲ በዓል ቤት ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ፡ ነታ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ እትበሃል ትራክት ሃቦ፣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ከኣ ጻዕሪ ግበር። ሕዳር፦ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧። ነዛ ብሮሹር እዚኣ ተጠቒምካ ኣብ መላእ ዓለም ብዛዕባ ዚግበር ወፈራ ዚገልጽ ዝርዝር ሓሳብ፡ ጸኒሑ ኺንገር እዩ። ብተወሳኺ፡ እዚ ዚስዕብ ብሮሹራት ኪዕደል ይከኣል እዩ፦ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ፡ ስፕሪትስ ኦቭ ዘ ዴድ—ካን ዘይ ሀልፕ ዩ ኦር ሃርም ዩ፧ ዱ ዘይ ሪሊ ኤግዚስት፧፡ መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺብካያዶ፧፣ ታሕሳስ፦ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ። ኣብታ ቤት ቈልዑ እንተ ኣልዮም፡ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ ኣበርክት። ጥሪ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ሰባት እዛ መጽሓፍ እዚኣ እንተ ኣልያቶም፡ ዝዀነ ይኹን 192 ገጽ ዘለዎ ናይ ቀደም መጽሓፍ ወይ ቅድሚ 1995 እተሓተመ መጽሓፍ ኪዕደል ይከኣል እዩ።
◼ ካብ 28 ለካቲት 2011 ኣትሒዙ፡ እታ “ንዓ ስዓበኒ” እትበሃል መጽሓፍ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ኽትውሰድ እያ። ቅዳሓት እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዚደልያ ጉባኤታት፡ በቲ ኣብ ዚቕጽል ዚልእኻኦ መሕተቲ ጽሑፋት ኣቢለን ኪእዝዛ ኣለወን።