25 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
25 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ዜና መዋእል 12-15
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
8 ደቒቕ፦ ምልክታታት። “ንኽትብርከት እተዳለወት ሓዳስ ብሮሹር!” መደረ።
12 ደቒቕ፦ ዓለምለኻዊ ሓድነትና ንየሆዋ የኽብር። ኣብታ እተወደበ እትበሃል መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 165፡ ሕጡብ ጽሑፍ 2፡ ክሳብ እታ ኣብ ገጽ 168 ዘላ ንኡስ ኣርእስቲ ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ። ገለ ኻብቶም ሰማዕቲ፡ ሓድነትናን ፍቕርናን ምስክርነት ንምሃብ ብኸመይ ከም ዝሓገዘ ዚገልጽ ኣብ ጽሑፍ ዝወጸ ተመክሮታት ከም ዜዘንትዉ ግበር።
15 ደቒቕ፦ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ይሃልኹም። (ሉቃ. 9:23) ኣብ ናይ 2010 ዓመት መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 45፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1፣ ኣብ ገጽ 56፡ ሕጡብ ጽሑፍ 2፣ ከምኡውን ኣብ ገጽ 58፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1፡ ክሳብ ገጽ 59፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንነፍሲ ወከፍ ተመክሮ ድሕሪ ምንጋርካ፡ ሰማዕቲ ብዛዕባ እቲ ዜመሓላልፎ ትምህርቲ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።