21 ሰነ እትጅምር ሰሙን
21 ሰነ እትጅምር ሰሙን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
lv ምዕ. 6 ሕ.ጽ. 10-15፡ ኣብ ገጽ 67 ዘላ ሳጹን
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ነገስት 1-2
ቍ. 1: 1 ነገስት 1:1-14
ቍ. 2: td 28ለ ኣብ መንጎ ነፍስን መንፈስን ዘሎ ፍልልይ
ቍ. 3: ንኣምላኽ እዙዛት ምዃን ኣካላውን መንፈሳውን ጥቕሚ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
15 ደቒቕ፦ ኣብ ሓምለ ዚዕደል ጽሑፍ። ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ንትሕዝቶ እቲ ኣብ ሓምለ ዚዕደል ጽሑፋት ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጾ፡ ሓደ ወይ ክልተ ኣቀራርባ ድማ ብመርኣያ ኣቕርብ።
15 ደቒቕ፦ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ወትሩ ድሉው ኩን።” ብሕቶን መልስን ዚግበር ምይይጥ። ነቲ ኣብ km10 05 ዘሎ፡ “ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ” ግለጽ። ኣብ ሓምለ ዚብርከት ጽሑፍ ንእተቐበለካ ሰብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብረሉ ኸለኻ፡ በታ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ እትበሃል ትራክት ጌርካ ብኸመይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀመሮ ኸም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።