14 ሰነ እትጅምር ሰሙን
14 ሰነ እትጅምር ሰሙ
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 2 ሳሙኤል 22-24
ቍ. 1: 2 ሳሙኤል 22:1-20
ቍ. 2: ሕጊ ሙሴ ናብ ክርስቶስ ዜብጽሕ ሓላዊ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (ገላ. 3:24 ትርጕም 1990)
ቍ. 3: td 28ሀ ነፍሲ እንታይ እያ፧
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ እንታይ ዓሚምና፧ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። እታ ጉባኤ ኣብ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ ተወሳኺ ንጥፈታት ብምግባራ ንኣዳ፣ እንታይ ከም እተዓመመ ድማ ብዝርዝር ግለጽ። እቶም ሰማዕቲ፡ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ኸለዉ ንዝረኸብዎ ተመክሮ ኺዛረቡ ዓድሞም።
10 ደቒቕ፦ ጽቡቕ ሜላ ኣመሃህራ፡ ግብራዊ ኣወዓዕላ ምግላጽ የጠቓልል። ኣብታ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት እትበሃል መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 60 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ።
10 ደቒቕ፦ “ዓይንኻ ጥዕይቲ ድያ፧” ብሕቶን መልስን ዚግበር ምይይጥ።