መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ታሕሳስ
“ኣብዚ ወቕቲ እዚ፡ ብዙሓት ሰባት ነዚ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜንጸባርቕ ዚሓስብዎ ምርኢት በዓል ልደት ይገብሩ እዮም። [ማቴዎስ 2:1, 11 ኣንብብ።] ኣብ መንጎ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎን መብዛሕትኡ እዋን ዚርአ ምርኢትን ዘሎ ኣፈላላይ ኣስተብሂልካዮዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እቲ ሓቂ ኣየናይ ምዃኑ ኽትገልጸልካ እያ።” ኣብ ገጽ 31 እትርከብ ዓንቀጽ ኣርኢ።
Awake! December
“ብዛዕባ እዚ የሱስ እተዛረቦ ሓሳብ ዘሎካ ርእይቶ ኽፈልጥ ምደለኹ። [ማቴዎስ 5:3 ኣንብብ።] ኣዝየን ብዙሓት ሃይማኖታት ስለ ዘለዋ፡ መንፈሳዊ ድሌትና ንምምላእ እንገብሮ ምርጫ ኣገዳሲዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ዕግበት ብዛዕባ እንረኽበሉ መገዲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ እያ።” ኣብ ገጽ 12 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥሪ
“ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ እዩ ዘሎ። ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ኣልኮላዊ መስተ ዚሰትዩ ሰባት ከመይ ዚስምዖ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] የሱስ ኣብ ሓደ እዋን ንማይ ብተኣምራዊ መገዲ ናብ ወይኒ ኸም ዝቐየሮ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ ከምዚ ዚስዕብ እውን ይብል እዩ። [ምሳሌ 23:20 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ትገልጽ።”
Awake! January
“ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና ጽንኩር እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ብዝሒ ስራሕ እተላዕለ ኣዝዮም እዮም ዚጭነቑ። ንስኻኸ ኸምኡ ይስምዓካዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ርትዓዊ ምኽሪ እሞ ኣስተብህለሉ። [መክብብ 4:6 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ንስራሕን ንምዝንጋዕን ንጕዳይ ስድራ ቤትን ብኸመይ ብሚዛናዊ መገዲ ኸነካይዶ ኸም እንኽእል ትገልጽ። ብዘይካዚ፡ ነቶም ስራሕ ዚደልዩ ዘለዉ ሰባት ዚኸውን ሓሳባት እውን ሒዛ ኣላ።”