ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2009፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ዚግበር ዕዮ ዝያዳ ቘላሕታ ተገይሩሉ እዩ። ንኣብነት፡ ናይ ታሕሳስ 2008 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ንነፍሲ ወከፍ ጉባኤ፡ “ኣብ ወርሒ ሓደ ቐዳም ወይ ሰንበት፡ ምናልባት ኣብታ ቐዳመይቲ ሰሙን፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ከተተኵር እያ” ዚብል መተባብዒ ሃበት። ነዚ መተባብዒ እዚ፡ ጽቡቕ ምላሽ ተዋሂቡሉ እዩ። ኣብ መጋቢት 2009፡ ኣብ ኢትዮጵያ 7,077 ዚኸውን ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ እዩ!
ኣብ ግንቦት፡ ገምጋም ቍጽሪ ተመላሊስካ ምብጻሕን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስን ከምዚ ዚስዕብ እዩ፦
ገም. ተ/ምብጻሕ ገም. መጽናዕቲ/መ/ቅ
• ፍሉያት ፈለምቲ፦ 81.7 6.0
• ስሩዓት ፈለምቲ፦ 25.3 1.7
• ኣስፋሕቲ ጉባኤ፦ 5.3 0.4
ንስኻኸ ብብሕትኻ ኸመይ ኣለኻ፧ ክንደይ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ ኣለኻ፧
ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2009፡ ብድምር 558 ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ተጠሚቖም እዮም። መጽናዕታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ሸቶ ብምግባር፡ ዝያዳ ተመላሊስካ ምብጻሕ ግበር። እዚ ኸኣ ተወሰኽቲ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ኼፍሪ እዩ።—ማቴ. 28:19, 20።