ንመጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ጌርካ ተጠቐመሉ
1. መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ጠቓሚ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧
1 ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ጽቡቕ ጌርና ምጥቃምና፡ ሓቂ ብንጹር ንኽንሰብኽን ንኽንምህርን፡ ናይ ሓሶት ትምህርትታትን ስርዓታት ሰብን ከኣ ንኸነቃልዕ የኽእለና።—2 ጢሞ. 2:15፣ 1 ጴጥ. 3:15።
2. ጥቕስታት ብቐሊሉ ንኽትረክብ ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧
2 ኣጸቢቕካ ፍለጦ፦ ንዝዀነ ይኹን ንዋት ኣጸቢቕካ እንተ ፈሊጥካዮ ኢኻ ጽቡቕ ጌርካ ኽትጥቀመሉ እትኽእል። ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጫፍ ንጫፍ ምንባብካ፡ ሓፈሻዊ ፍረ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትርዳእ የኽእለካ። እዚ ኸኣ ጥቕስታት ንኽትዝክርን ብቐሊሉ ንኽትረክብን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቕካ እናፈለጥካዮ ምስ ከድካ፡ ንኻልኦት ብዘይወግዓውን ኣብ ኣገልግሎት ወፍርን ክትምስክረሎም ከለኻ፡ ብዝያዳ ቕንኣትን ምትእምማንን ክትዛረብ ኢኻ።—1 ተሰ. 1:5።
3, 4. (ሀ) ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ ዚሕግዘና ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧ (ለ) ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቕካ ንኽትፈልጦ ዚሕግዘካ ኻልእ መገድታት ተጠቒምካዶ፧
3 ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺልካ ነቲ ዚጥቀስ ጥቕሲ ናይ ምክትታል ልማድ ይሃሉኻ። ብሕታዊ መጽናዕቲ ኽትገብርን ንኣኼባታት ጉባኤ ኽትዳሎን ከለኻ፡ ነቲ እንታይ ከም ዚብል ዘይተጠቕሰ ጥቕስታት ኣንብቦ፡ ንኣወዓዕላኡ ድማ ኣስተንትነሉ። ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክንዲ ኻብ ኮምፕዩተር ወይ ብኮምፕዩተር ካብ እተሓትመ ወረቐት ንላዕሊ፡ ብቐጥታ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባቡ፡ ደሓር ኣብ ኣገልግሎት ነቲ ጥቕስታት ንኽትረኽቦ ዝቐለለ ኸም ዚገብረልካ፡ ብዙሓት ሓሳብ ይህቡ እዮም።—ዮሃ. 14:26።
4 ገሊአን ስድራ ቤታት ንጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሽምድዳሉ መደብ ገይረን ኣለዋ። ካርድታት የዳልዋ እሞ፡ ኣብ ሓደ ገጹ እታ ጥቕሲ እትርከበሉ ቦታ፡ ኣብቲ ኻልእ ገጹ ኸኣ ቃላት እታ ጥቕሲ ይጽሕፋሉ። ኣባላት ስድራ ቤት በብተራ እናተቐያየሩ፡ እታ ጥቕሲ እንታይ ከም እትብል ወይ ኣበይ ከም እትርከብ ኪዝክሩ እንተ ኽኢሎም ጻዕሪ ይገብሩ። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እትጥቀመሉ ኣቀራርባ፡ ተቓውሞ ብኸመይ ከም እትምልስ፡ ወይ ንዚቐርበልካ ሕቶ ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ብኸመይ ከም እትምልስ ምልምማድ፡ ንኽእለትካ የማዕብሎ እዩ።
5. መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምጥቃም ክእለትና ኸነማዕብል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
5 ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመዓራረ ኻልእ መጽሓፍ የልቦን። “ንምድሓን ኬለብማ” ዚኽእላ ጽሑፋት ዝሓዘ፡ እዚ መጽሓፍ እዚ ጥራይ እዩ። (2 ጢሞ. 3:15) መብዛሕትኦም ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ክቡር መዝገብ ስለ ዘይፈልጥዎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ ሒዙ ኸም ዘሎ ንኸነርእዮም ክእለትና ኸነማዕብል ኣሎና።—ምሳ. 2:1-5።