ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/09 ገጽ 1
  • እንታይ ኢልካ ኢኻ እትምልስ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እንታይ ኢልካ ኢኻ እትምልስ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ከመይ ጌርካ ኸም እትምልስ ፍለጥ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ነቲ ዓብዪ ገባር ወደ መዝሙር ምሰሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ሕቶታት ብውጽኢታዊ መገዲ ምጥቃም
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ውጽኢታዊ ሕቶታት ተጠቐም
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
km 9/09 ገጽ 1

እንታይ ኢልካ ኢኻ እትምልስ፧

1. ሕቶ ኪቐርበልና ኸሎ፡ ኣብነት የሱስ ክንስዕብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

1 ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ፡ ሰባት በቲ የሱስ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ዝመለሰሉ ኣገባብ ይግረሙ እዮም። ኣብ ኣገልግሎትና እተፈላለየ ሕቶታት ኪቐርበልና ኸሎ፡ ንየሱስ ክንመስሎ ኣሎና።—1 ጴጥ. 2:21።

2. ንሓደ ሕቶ ዝሓሸ መልሲ ንኽንህብ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

2 ፈለማ ስማዕ፦ የሱስ ንኣረኣእያ ሓታቲ ኣብ ግምት የእቱ ነበረ። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ሰብ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ሕቶ ምሕታት የድሊ ይኸውን። “ኣብ የሱስ ትኣምንዶ፧” ኢሉ ዚሓትት ሰብ፡ ስለምንታይ በዓል ልደት ከም ዘይተብዕል ይሓስብ ይህሉ ይኸውን። ነቲ ሓታቲ እንታይ ኣተሓሳሲብዎ ኸም ዘሎ እንተ ኣስተውዒልካ፡ ብዝሓሸ መገዲ ኸተረድኦ ትኽእል ኢኻ።—ሉቃ. 10:25-37።

3. ዜዕግብ ቅዱስ ጽሑፋዊ መልሲ ንምሃብ ዚሕግዝ እንታይ ተዳልዩልና ኣሎ፧

3 ብቓል ኣምላኽ ጌርካ መልስ፦ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ንዝቐረበ ሕቶ መልሲ ምሃብ ዝበለጸ እዩ። (2 ጢሞ. 3:16, 17፣ እብ. 4:12) ቅኑዕ መልሲ ንምሃብ፡ ሪዝኒን እትበሃል መጽሓፍን ንምይይጥ ዚኸውን ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘርእስታ ጽሕፍትን ሓገዝቲ እየን። እቲ ሓታቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘይቅበል እኳ እንተ ዀነ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ኢሉ ኸም ዚምህር ብሜላ ኸተርእዮ ትኽእል ትኸውን። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ፍቱን ጥበብ ኣርዚኑ ኺሓስበሉ ኣተባብዓዮ። ንየሱስ እንተ መሲልካዮ፡ መልስኻ “ኸም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ ብሩር፡” ማለት ምዕሩግን ጽቡቕን ጠቓምን ኪኸውን እዩ።—ምሳ. 25:11።

4. ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ ንዅሉ ሕቶታት መልሲ ኽንህብ ምፍታን ጽቡቕ ዘይኰነ፧

4 ኵሉ ሕቶታት ክንምልስ ኣሎና ድዩ፧ መልሲ እቲ ዝቐረበልካ ሕቶ እንተ ዘይፈሊጥካዮ፡ “መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣይፈልጦን እየ፣ ንሕቶኻ ምርምር ገይረ፡ ዝረኸብክዎ ሒዘ ኽምለሰካ ግን እኽእል እየ” ንምባል ኣይትሕፈር። ከምዚ ዝኣመሰለ ትሕትናን ብሕታዊ ተገዳስነትን ነቲ ብዓል ቤት ተመሊስካ ንኽትመጾ ፍቓደኛ ንኪኸውን ኪድርኾ ይኽእል እዩ። ኪማጐቱ ዚደልዩ ተጻረርቲ ሕቶ እንተ ኣቕሪቦምልካ፡ ንመልስኻ ደረት ብምግባር ኣብነት የሱስ ስዓብ። (ሉቃ. 20:1-8) ብተመሳሳሊ፡ ብዛዕባ ሓቂ ልባዊ ተገዳስነት ዘይብሉ ሰብ ኣብ ክርክር ኬእትወካ እንተ ደልዩ፡ ብትሕትና ነቲ ዝርርብ ኣቋሪጽካ፡ ግዜኻ ነቶም ቅኑዓት ኣብ ምንዳይ ተጠቐመሉ።—ማቴ. 7:6።

5. የሱስ ንሕቶታት ብምምላስ ዝመጸ እንታይ ኣርኣያ እዩ ሓዲጉልና፧

5 የሱስ ‘ንሓቂ ኺምስክር’ እተዋህቦ ሓላፍነት ንምፍጻም፡ ኣብ የሆዋ ኺጽጋዕ ከም ዜድልዮ ይፈልጥ ነበረ፣ እዚ እውን ብቕንዕና ንዝቐረበሉ ሕቶታት ምምላስ የጠቓልል ነበረ። (ዮሃ. 18:37) ነቶም “ንህይወት ዘለኣለም [“ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም፡” NW]” መልሲ ኣብ እንህበሉ ኣገባብ ንየሱስ ክንመስሎስ፡ ብሓቂ ዓብዪ መሰል እዩ።—ግብ. 13:48።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ