ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 31 ነሓሰ 2009 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ኻብ 6 ሓምለ ኽሳዕ 31 ነሓሰ 2009 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 20 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ።
1. ንወለዱ “ዝረገመ” ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዚፍረዶ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ዘሌ. 20:9) [w04 15/5 ገጽ 24 ሕ.ጽ. 6]
2. ኵሎም እስራኤላውያን ሰብኡት ኣብቲ በዓል ቅጫ ኺካፈሉ ስለ ዝነበሮም፡ ነቲ በዅሪ ፍርያት ስገም መን ይዓጽዶ ነበረ፧ (ዘሌ. 23:5, 11) [w07 15/7 ገጽ 26 ሕ.ጽ. 3]
3. ዓመት እልልታ ናይ ምንታይ ጽላሎት እያ፧ (ዘሌ. 25:10, 11) [w04 15/7 ገጽ 26-27]
4. እቲ ኣብ ዘሁልቍ 2:2 ተጠቒሱ ዘሎ “ሰንደቕ ዕላማ” ንእስራኤላውያን ሃይማኖታዊ ትርጕም ነይርዎ ድዩ፧ [w02 15/9 ገጽ 21 ሕ.ጽ. 4]
5. ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ምስቶም ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ናዝራውያን ዚመሳሰል መንፈስ ዜንጸባርቑ ብኸመይ እዮም፧ (ዘሁ. 6:3, 5, 6) [w04 1/8 ገጽ 24-25]
6. እቲ ብዛዕባ ሌዋውያን ካብ ስራሕ ዜቋርጹሉ ዕድመ ዚገልጽ ኣየናይ ኣብቲ ሕጊ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት እዩ ሎሚ ኣብ ህዝቢ የሆዋ ኪዓዪ ዚኽእል፧ (ዘሁ. 8:25, 26) [w04 1/8 ገጽ 25 ሕ.ጽ. 1]
7. እስራኤላውያን “ታፍላ” ዝሓዞም ወይ ከኣ ስሱዕ ህርፋን ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናትከ እንታይ ትምህርቲ ይዀኖም፧ (ዘሁ. 11:4) [w01 15/6 ገጽ 14-15፣ w95 1/3 ገጽ 14 ሕ.ጽ. 10]
8. ሚርያም ጥራይ ብለምጺ እተወቕዐት ስለምንታይ እያ፧ ካብዚኸ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧ (ዘሁ. 12:9-11) [w04 1/8 ገጽ 26 ሕ.ጽ. 2፣ it-2 ገጽ 415 ሕ.ጽ. 1]
9. እያሱን ካሌብን ብዛዕባ ነበርቲ ከነኣን ኪዛረቡ ኸለዉ፡ “እንጌራና እዮም” ዝበሉ ስለምንታይ እዮም፧ (ዘሁ. 14:9) [w06 1/10 ገጽ 16 ሕ.ጽ. 5፣ it-1 ገጽ 363-364]
10. ዘሁልቍ 21:5 እንታይ መለበሚ እያ እትህብ፧ [w99 15/8 ገጽ 26-27]