ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/09 ገጽ 4
  • ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
km 7/09 ገጽ 4

ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ

ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ካልኣይ ፍሉይ ወፈራ ኽልና ብዜደንቕ መገዲ ተዛዚሙ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ እታ ወርሒ፡ ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ኽንዕድም ጀሚርና። ከም ውጽኢቱ፡ 8,597 ዚኣክል ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ ተረኺቡ፣ ኣብ ሰዓታትን ተመላሊስካ ምብጻሕን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ሓድሽ ዘለዓለ ቍጽሪ ተመዝጊቡ ኣሎ! 7,077 መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመሪሑ! 1,093 ሓገዝቲ ፈለምቲ ነይሮምና፣ እዚ ድማ ዳርጋ 30% ኣስፋሕቲ ኣብ ሓደ ዓይነት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተኻፊሎም ማለት እዩ!

ኣብቲ ወፈራ ንምክፋል፡ 42 በጻሕቲ ኻብ ሸውዓተ ሃገራት መጺኦም፡ ልዕሊ 500 ዚዀኑ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዚነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ከኣ ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ሃገርና ኣብ ዚርከብ ልዕሊ 200 ግሉል ክልታት ተጓዒዞም። ካብዚ እንተ ወሓደ 86 ክልታት፡ ቅድሚ ሕጂ ነቲ ብስራት በጺሕዎ ዘይፈልጥ እዩ። ነዚ ፍሉይ ጻዕርታት እዚ ብቕንኣት ብምድጋፍኩም ክንንእደኩም ንፈቱ፣ ጸብጻብ በዓል ዝኽርን ምስኡ እተተሓሓዘ ንጥፈታትን ክንሰምዕ እውን ብሃንቀውታ ንጽበ ኣለና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ