20 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
20 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 9 (37)
❑ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cl ገጽ 216 ሕ.ጽ. 16–ገጽ 218 ሕ.ጽ. 21 ከምኡውን ሳጹን
❑ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሌዋውያን 25-27
ቍ. 1፦ ዘሌዋውያን 25:39-54
ቍ. 2፦ ሰናይ ምግባር ከቢድ ዚዀነሉ ምኽንያት (lr ምዕ. 26)
ቍ. 3፦ td 16ሀ ክርስትያናት ምጽራር ዚወርዶም ስለምንታይ እዩ፧
❑ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
መዝሙር 5 (46)
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ክርስቶስ መሰረት ምስራት። ኣብታ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት እትበሃል መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 278፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1-4 ተመርኲሱ ዚቐርብ መደረ።
10 ደቒቕ፦ ናይ 1 ነሓሰ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ነሓሰ ንቕሑ! ኽትዕድል ተዳሎ። ሓፈሻዊ ሓሳባት ድሕሪ ምሃብ፡ ሰማዕቲ ነቶም ኣብቲ ኽሊ ዘለዉ ሰባት ኪምስጣኦም ዚኽእላ ዓንቀጻት ኣየኖት ምዃነንን ስለምንታይን ሕተቶም። ዝርርብ ንምጅማር ዚጥቀሙላ ሕቶን ነታ መጽሔት ቅድሚ ምብርካቶም ንሰብ ቤት ዜንብቡሎም ጥቕስን ኪገልጹ ዓድሞም። ነፍሲ ወከፍ መጽሔት ብኸመይ ክትዕደል ከም እትኽእል መርኣያ ብምቕራብ ዛዝም።
10 ደቒቕ፦ “መንፈሳውነትና ንኽንሕሉ ዚሕግዘና ኣኼባ ወረዳ።” ብሕቶን መልስን ዚግበር ምይይጥ።
መዝሙር 15 (127)