ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
ወርሒ ለካቲት ኣብ ክልና ካብተን ፍሉይ ወፈራ እተገብረለን ኣዋርሕ ካልአይቲ ክትከውን ከላ፡ እቲ ሽዑ እተረኽበ ውጽኢት ካብቲ ኣብታ ዝነወሐት ወርሒ ጥሪ ዝነበረ እውን ከይተረፈ ዝሓሸ እዩ ነይሩ። ካብ ኵሎም ኣስፋሕቲ ልዕሊ 24% ዝዀኑ፡ ኣብ ገሊኡ መዳያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተኻፊሎም እዮም። ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕትና 8,537 እዩ። ብዘይካዚ፡ 1,223 ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ስሩዓት ፈለምቲ ኣሎና። ቀዳም ወይ ሰንበት ብቐጥታዊ ኣቀራርባ ተጠቒምካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ዚግበር ዘሎ ጻዕሪ ጽቡቕ ፍረ የፍሪ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ 6,558 መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንመርሕ ኣሎና፣ እዚ ኸኣ ነቲ ሓሙሽተ ዓመት ይገብር ዝነበረና ዝለዓለ ቝጽሪ ተቐራሪብዎ ኣሎ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምሩ እትገብርዎ ዘለኹም ጻዕሪ ቐጽልዎ! ሕጂ ኸኣ ካብታ ኣብ ክልና ፍሉይ ወፈራ ኻብ እተገብረለን ኣዋርሕ እታ ናይ መወዳእታ ዝዀነት ወርሒ መጋቢትን ሰባት ኣብ በዓል ዝኽሪ ንኺመጹ ንምዕዳም ካብ እተገብረ ወፈራን ጽቡቕ ወጽኢት ንኽንረክብ ተስፋ ንገብር።