ፍቑራት ብጾትና መሰኻኽር የሆዋ፦
ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ
ነዛ ደብዳበ ኽንጽሕፈልኩም ብምኽኣልና ብዙሕ ኢና ተሓጒስና። ከምቲ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ‘ብሓቂ ኸም ዜፍቅሮም’ ዝገለጸ፡ “ብሓቂ ዚመላለሱ” ምዃኖም ከኣ ዘሐጐሶ ሃዋርያ ዮሃንስ እዩ ዚስምዓና። (2 ዮሃ. 1, 4) ሓቂ ብምርካብና፡ ብርግጽ ተባሪኽና ኢና! ሓቂ ኻብ ዓባይ ባቢሎን ኰነ ኻብቲ ንኣምላኽ ዜሕስር ሰረተ-እምነታታን ልምድታታን ሓራ ኣውጺኣትና እያ። ንሓቂ እዙዛት ምዃንና፡ ፈቃራትን ሕያዎትን መሓርትን ክንከውን ክኢልና ኢና። ሳላ ሓቂ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹሃት ክንከውንን ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ኪህልወናን ክኢሉ እዩ።
መዓልታዊ ዚመርሓናን ዜበርትዓናን መንፈስ የሆዋ ብምርካብና እውን፡ ብዙሕ ኢና እነመስግን! ኣብቲ ኣብ ቀረባ ግዜ እተገብረ፡ “ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ” ዘርእስቱ ኣኼባታት ኣውራጃ፡ እተፈላለየ መዳያት እዚ ፍቕራዊ መሰናድዎ ኽትምርምሩ ኸም ዝኸኣልኩም ርግጸኛታት ኢና። ኵነታት ዓለም እናተበላሸወ ኣብ ዚኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ወሳኒ መዓልትታት ምእንቲ ኽንሰግሮ፡ ኣብቲ ሓያል ዝዀነ መንፈስ የሆዋ ኽንውከል ኣሎና።
ኣሕዋትና ምእንቲ እምነቶም ብዙሕ መከራ ተጸሚሞም ከም ዘሕለፉ ዚገልጽ ጸብጻባት ኣብ መጽሓፍ ዓመት ከተንብቡ ኸለኹም፡ ኣልባብኩም ከም እተተንከፈ ርግጸኛታት ኢና። ሓያሎ ኻብዞም እሙናት እዚኣቶም፡ ጸገማት ኣብ ዘጋጠሞም እዋን ካብ ዚጥመቑ ነዊሕ ዘይገበሩ ወይ ገና ዘይተጠመቑ ምንባሮም እውን ዜገርም እዩ። ስለቲ ተኣማንነቶምን ንጽድቂ ዝወሰድዎ መትከልን ኣዚና ኢና እነፍቅሮም! ዝመጸ እንተ መጸ ንመንግስቲ ኣምላኽ ተኣማንነትና ሓሊና ኽንቅጽል ከም ዘሎና፡ እቲ ብሉጽ ኣብነቶም የበራትዓና እዩ።—1 ተሰ. 1:6-8።
ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ንስድራ ቤትኩም ብፍቕሪ ሓደ ንምግባር፡ ኣብ ቍጠባዊ ዀነ ኣብ ካልእ መዳያት ብዙሕ ጸገማት ክትጻወሩ ኸም ዘሎኩም ንፈልጥ ኢና። ገሌኻትኩም እሞ ኸኣ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኰነ ንኻልእ ንጥፈታት ጉባኤ ብስሩዕን ብተኣማንነትን ምድጋፍ ኣጸጋሚ ይዀነኩም ኣሎ። ስለዚ ኸኣ ኢና ድሕሪ ብዙሕ ምይይጥን ጸሎትን፡ ካብ 1 ጥሪ 2009 ኣትሒዝና ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ እተወሰነ ምትዕርራይ ዝገበርና። ነዚ ምትዕርራያት እዚ ኣብ ብሕታዊ መጽናዕትን ኣብ መጽናዕቲ ስድራ ቤትን ብምውዓል፡ ብጽቡቕ ከም እትጥቀሙሉ ንተኣማመን ኢና።
ኣብዛ ዓመት እዚኣ፡ ኣብ እተፈላለየ ዓበይቲ ኣኼባታት ብዙሓት ኪጥመቑ ምርኣይና፡ ብሓቂ ኣሐጒሱና እዩ። ገለ ኻባታቶም ብዕድመ ገና ንኣሽቱ እዮም። ኣቱም ወለዲ፡ ደቅኹም ንሓቂ ሞሳ ኸም ዚህልዎም ጌርኩም ብምዕባይኩምን ብግዜ ንእስነቶም ንየሆዋ ንምግልጋል ርእሶም ንኺውፍዩ ብምትብባዕኩምን ክትንኣዱ ይግብኣኩም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ፍቑራት መእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዙሕ ብድሆታት እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ንኺጥመቑ ብቕዓት ምጥራዮም፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤቶም ዝረኸብዎ ጽቡቕ ስልጠና ዚምስክር እዩ።—መዝ. 128:1-6።
ኣብ ዕዮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተገብረ ዚነኣድ ወሰኽ እውን ከይጠቐስናዮ ኽንሓልፍ ኣይንደልን፣ ኣብዚ ዕዮ እዚ ኸኣ ሚስዮናውያንን ፍሉያት ፈለምትን ዓብዪ እጃም ኣለዎም። ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት “ንዓ” ከምኡውን “ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ” እናበሉ ዕድመ ብምቕራብ ዜበርክትዎ ኣገዳሲ ግደ፡ ኵላትና ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ብዙሕ ነማስወሉ ኢና። (ራእ. 22:17) ነቶም 289,678 ዚኣኽሉ ርእሶም ከም ዝወፈዩ ዓሚ ብማይ ብምጥማቕ ዘርኣዩ ሰባት፡ ናብ ዓለምለኻዊ ሕውነት ሓንጐፋይ ኢልና ንቕበሎም!
ነተን ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ኢሉ ዝጸሓፈን ቃላት ብቐጻሊ ኽንዝክረን ኣሎና። (1 ዮሃ. 2:17) እዛ ዓለም እዚኣ ‘እትሓልፈሉ’ ግዜ ኣዝዩ ቐሪቡ እዩ! እምበኣር፡ ብትዅረት ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብርን ‘ክንነቅሕን’ ኣሎና። (ማቴ. 24:42) ከምኡ እንተ ጌርና፡ ኣይክንጠዓስን ኢና፣ ሳህሊ የሆዋ ዜምጽኦ ረብሓታት ድማ ክንዓጽድ ኢና።—ኢሳ. 63:7።
እቲ ኣብ መጽሓፍ ዓመት ዚርከብ ካብ ብዙሕ ሃገራት እተረኽበ ጸብጻባት ንመንግስቲ ኣምላኽ ንኸተቐድሙ ኼተባብዓኩም ተስፋ ንገብር። ወትሩ ኸም እንዝክረኩምን ከም እንጽልየልኩምን ብዙሕ ከም እነፍቅረኩምን ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ። የሆዋ በረኸቱ ኣብዚሑ የፍስሰልኩም።
ኣሕዋትኩም፡
ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር