ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ነሓሰ፦ ብሮሹራት፣ መስከረም፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧፣ ጥቅምቲ፦ መጽሔታት ከምኡውን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ (T-26)፣ ሕዳር፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
◼ ጉባኤታት በቲ ዚቕጽል ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ፎርም ገይረን ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 2009፡ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2009፡ ከምኡውን ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 2009 ምሕታት ኪጅምራ ኣለወን።
◼ ሽማግለታት ብዛዕባ እቶም እተወገዱ ወይ ርእሶም ዘግለሉ እሞ ኺምለሱ ዚደልዩ ሰባት ዚገልጽ ሓበሬታ ንምርካብ ነቲ ኣብ ናይ 8/112 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 12-16 [ወይ ናይ 15 ሚያዝያ 1991 ገጽ 21-23 (እንግሊዝኛ)] ዘሎ መምርሒ ኺስዕቡ ተዘኻኺሮም እዮም።
◼ ነቶም ብብረይል መዘኻኽሪ ዚጽሕፉ ወይ ኬንብባ ዚኽእላ ኮምፒዩተራት ዚጥቀሙ ዓይነ-ስዉራንን ናይ ምርኣይ ጸገም ዘለዎም ኣስፋሕትን ተገደስቲ ሰባትን ንምሕጋዝ፡ ብብሕቶም ኪጥቀሙሉ ዚኽእሉ ብብረይል እተጻሕፈ ኤለክትሮኒካዊ ፋይላት ቅዳሕ ግምቢ ዘብዐኛ ንምልኣኽ መሰናድዎ ተገይሩ ኣሎ። ሕታማት ህዝብን መጽናዕትን ግምቢ ዘብዐኛ ብደረጃ 2 እንግሊዝኛ ብረይል ኪርከብ ይከኣል እዩ። እቲ ፋይላት ነቶም ዝሓተቱ ብኢ-መይል ኪለኣኸሎም እዩ። እቶም ብብረይል እተዳለወ ኤለክትሮኒካዊ ፋይል ቅዳሕ ግምቢ ዘብዐኛ ኺለኣኸሎም ዚደልዩ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ደብዳበ ኺልእከሎም ነቲ ጸሓፊ ኺሕብርዎ ኣለዎም። እታ ደብዳበ ስም እቲ ሰብ፡ ኣድራሻ ገዛኡ፡ ስም ወይ ዓይነት እታ ዚጥቀመላ ኤለክትሮኒካዊት መሳርሒት፡ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻኡ፡ ከምኡውን ካብ እንግሊዝኛ፡ ስጳንኛ፡ ወይ ፈረንሳይኛ ኣየናይ ቋንቋ ኸም ዜንብብ እትሕብር ክትከውን ኣለዋ። ኢ-መይል ኪቕበል ዘይክእል እንተ ዀይኑ፡ ኣድራሻ ኢ-መይል እቲ መልእኽቲ ተቐቢሉ ዜመሓላልፈሉ ሰብ ኪሕብር ኣለዎ።