መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት
14 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 18 (162)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ናይ 1 ሰነ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ሰነ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ።
15 ደቒቕ:- “ትብዓት” ኣሎካዶ፧ ኣብ ናይ 15 ግንቦት 2006 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 13-16 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ። ብትብዓት ምስባኽ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕልሕ።
20 ደቒቕ:- “ኣኼባ ኣውራጃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 2008” ሕጡብ ጽሑፍ 2 ምስ በጻሕካ: እቲ ጉባኤኹም እተመደበትሉ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ዕለት ጥቐስ።
መዝሙር 2 (15)
21 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 13 (124)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። ሰማዕቲ ኣብ ዚመጽእ ሰሙን ኣብ ዚግበር ኣኼባ ኣገልግሎት ነተን ናይ 1 ሰነ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ሰነ ንቕሑ! ኪማልኡወንን ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ ተጠቒሞም ብኸመይ ከም ዚዕድሉወን ንምምይያጥ ተዳልዮም ኪመጹን ኣዘኻኽሮም።
15 ደቒቕ:- “ነታ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ ብምጽናዕ ተጠቐም።” ፍሉይ መዳያት እታ መጽሓፍ እቲኣ ጥቐስ። ሕጡብ ጽሑፍ 2 ምስ በጻሕካ ነቲ ናይ መጽናዕቲ መደብ ከም ዜቕልቡሉ ግበር። ሕጡብ ጽሑፍ 3 ከተቕርባ ኸለኻ: ነቲ ኣብ ገጽ 25 እታ መጽሓፍ ዘሎ ሕጡብ 23 ኣንቢብካ ተመያየጠሉ። ኵሎም ኣዘውቲሮም ናብቲ ኣኼባ ኺመጹን ተሳትፎ ኺገብሩን ኣተባብዓዮም። ንኣኼባታት ብግቡእ ተዳልዮም ንዚመጹ ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ኣሕጽር ኣቢልካ ቓለ-መጠይቕ ግበረሎም። ከምኡ ንኺገብሩ ዝደረኾም ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ኺገልጹ ኸኣ ሕተቶም።
20 ደቒቕ:- “ምድላው—ዕዉት ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ዚሕግዝ ረቛሒ።” ኣብ መወዳእታ ሕጡብ ጽሑፍ 2: ብዛዕባ እቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ጽቡቕ መዘኻኸሪ ምሓዝ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕልሕ። ኣብቲ መዘኻኸሪ ኽትጽሕፍ ኣሸጋሪ ዝዀነሉ ኸባቢ: ክትርኣየሉ ኣብ ዘይትኽእል ቦታ ርሕቕ ምባል ኣድላዪ ኪኸውን ከም ዚኽእል ጥቐስ። ሓደ ኣስፋሒ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ኪዳሎ ኸሎ ዜርኢ ኣርባዕተ ደቒቕ ንውሓት ዘለዎ ምስ ነብስኻ ብምዝራብ ዚግበር መርኣያ ኣቕርብ። ነቲ ኣብ መዘኻኸሪ ወረቐቱ ዝጸሓፎ ይርእዮ እሞ: ኣብ ዚቕጽል ቀዳመ-ሰናብቲ ንኽልተ ኻብኣቶም ደጊሙ ኺበጽሖም ይውስን። ብድሕሪኡ: ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ምስ ነፍሲ ወከፎም ብዛዕባ እንታይ ከም እተዘራረበ ይዝክር፣ እንታይ ሸቶ ሒዙ ኸም ዚበጽሖምን ሸቶኡ ንምውቃዕ ብኸመይ ከም ዚዳሎን ይውስን። ንሓደ ኻብኣቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኼጀምሮ ይዳሎ። ነቲ ሓደ ድማ: በቲ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 5 ዚርከብ ኣቀራርባ ገይሩ ተገዳስነቱ ንኼዕቢ ኺሕግዞ ይዳሎ።
መዝሙር 16 (143)
28 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 22 (130)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ሓምለ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺህቡ ኣዘኻኽሮም። ጸብጻብ ሕሳብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣመልኪቱ ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዚዕደል ጽሑፋት ጥቐስ: ሓንቲ መርኣያ ድማ ኣቕርብ።
15 ደቒቕ:- ናይ ህጹጽነት ስምዒት ምዕቃብ። ኣብ ናይ 15 ታሕሳስ 2006 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 18-19 ሕጡብ ጽሑፍ 17-21 ተመርኲስካ ብውዕዉዕ ስምዒት ዚቐርብ መደረ።
20 ደቒቕ:- እዋናዊ መጽሔታት ክትዕድል ተዳሎ። ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ንናይ ሰነ ንቕሑ!ን ንናይ 1 ሰነ ግምቢ ዘብዐኛን ዚምልከት ሓፈሻዊ ሓሳባት ድሕሪ ምሃብ: ሰማዕቲ ነቶም ኣብቲ ኽሊ ዘለዉ ሰባት ኪምስጣኦም ዚኽእላ ዓንቀጻት ኣየኖት ምዃነንን ስለምንታይን ሕተቶም። ሰማዕቲ ኣብተን ኪዕድልወን ዝመደቡ ዓንቀጻት ዚርከብ ፍሉይ ነጥብታት ኪጠቕሱ ዓድሞም። ዝርርብ ንምጅማር እንታይ ሕቶታት ክትሓቱ ትኽእሉ፧ ድሕሪኡ ካብታ ዓንቀጽ ኣየነይቲ ጥቕሲ ኸተንብቡሎም ትኽእሉ፧ ነቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዚርከብ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ወይ ሰማዕቲ ዜዳለውዎ ሓሳባት ተጠቒምካ: እዘን መጽሔታት ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 9 (37)
4 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 29 (222)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- ውሉዳትካ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዜጋጥሞም ጸገማት ተዳልዮም ድዮም፧ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ገለ ኻብቲ ክርስትያን መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ ዜጋጥሞም ጸገማት ጥቐስ። ወለድን ውሉዳቶምን ሓጋዚ ሓበሬታ ንምርካብ ነቲ ዎች ታወር ፓፕሊኬሽን ኢንዴክስ ብኸመይ ኪጥቀሙሉ ኸም ዚኽእሉ ግለጽ። ሒደት ኣብነታት ሃብ። (ነቲ ኣብ ትሕቲ “ኣብያተ ትምህርቲ” [“Schools”] ዚብል ቀንዲ ኣርእስቲ ዚርከብ “ተመክሮታት” [“experiences”] ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ርአ።) ነቶም ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራ ቤት ዝዓበዩ ውሉዳት: ወለዶም ነቲ ዜጋጥሞም ብድሆታት ብዓወት ንኺዋጽእሉን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቤት ትምህርቶም ኣብ ግብሪ ንኼውዕሉን ብኸመይ ከም ዝሓገዝዎም ኪገልጹ ዓድሞም። ኣብ መጽሔት ንቕሑ! ዚርከብ ኣርእስትታት ተመርኲሶም ዘዳለውዎ ዕዮ ቤት ትምህርቲ እውን ኪጠቕሱ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ቤት ትምህርቲ ኸምዚ ምግባሮም ብኸመይ ዕቝባ ኸም ዚዀኖም ኪገልጹ ዓድሞም።
20 ደቒቕ:- “ጽኑዕ ዕርድታት ነፍርስ ኣለና።” ሰማዕቲ: እቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሑሎም ዝነበሩ ኣሕዋት: ነቲ ኣጽኒዖም ሒዞምዎ ዝነበሩ እምነታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንኺሓድግዎ ብኸመይ ብዓቕሊ ኸም ዝሓገዝዎም ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም።
መዝሙር 20 (93)