ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/08 ገጽ 1
  • ጽኑዕ ዕርድታት ነፍርስ ኣለና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጽኑዕ ዕርድታት ነፍርስ ኣለና
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ እትኣምኖ መሰረት ዘለዎ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ነቲ “ናይ መንፈስ ሰይፊ” ብኽእለት ተጠቐመሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ናይ ምእማን ክእለት ተጠቒምካ ኣልባብ ሰባት ምትንካፍ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ህይወት ድሕሪ ሞት—ሰባት እንታይ ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
km 7/08 ገጽ 1

ጽኑዕ ዕርድታት ነፍርስ ኣለና

1 ሰይጣን ብናይ ሓሶት ትምህርትታትን ምትላላትን ኣቢሉ: ንዘመናት ዚኣክል ኣብ ልብን ኣእምሮን ሰባት ሓጹራት ሃኒጹ እዩ። ከም ስላሴ: ዘይትመውት ነፍሲ: ከምኡውን ገሃነም እሳት ዝኣመሰለ ሰረተ-እምነታት ከም ዜስፋሕፍሕ ገበረ። ብዛዕባ ህላወ ፈጣርን ሓቅነት መጽሓፍ ቅዱስን ምጥርጣር ዘርአ። ዓሌትነትን ሃገራውነትን እውን ሰባት ብርሃን ሓቂ ንኸይርእዩ ንምዕዋር ዚጥቀመሉ ሓጹር እዩ። (2 ቈረ. 4:4) ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጽኑዕ ዕርድታት ብኸመይ ከነፍርሶ ንኽእል፧—2 ቈረ. 10:4, 5

2 ምስ ስምዒት እተኣሳሰረ:- ሰባት: እቲ ንነዊሕ እዋን ዝኣመኑሉ ሃይማኖታዊ እምነታት ምስ ስምዒቶም ኣጸቢቑ ይተኣሳሰር እዩ። ገሊኦም ካብ ቍልዕነቶም ኣትሒዞም ጌጋ ዝዀነ ሃይማኖታዊ እምነታት ተማሂሮም እዮም። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ምእንቲ ኽንሕግዞም: ንኣረኣእያኦም ብዜኽብር ኣገባብ ክንዛረብ የድልየና።—1 ጴጥ. 3:15

3 ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት እንታይ ከም ዚኣምኑን ስለምንታይ ከምኡ ኢሎም ከም ዚኣምኑን ኪዛረቡ ብምፍቃድ ኣኽብሮት ከነርእዮም ንኽእል ኢና። (ያእ. 1:19) ገሊኦም ዜፍቅርዎ ሰብ ስለ ዝሞቶም እሞ እንደገና ኺርእይዎ ኻብ ዘለዎም ሃረርታ ተበጊሶም: ኣብቲ ነፍሲ ኣይትመውትን እያ ዚብል ትምህርቲ ይኣምኑ ይዀኑ። ወይ ምስ ስድራ ቤቶም ግዜ ምሕላፍ ባህ ስለ ዚብሎም: በዓላት የብዕሉ ይዀኑ። ነዚ ኺገልጹልና ኸለዉ ጽን ኢልካ ምስማዕ: ስምዒቶም ንኽንርዳእን ብውጽኢታዊ መገዲ ንኽንምልሰሎምን የኽእለና።—ምሳ. 16:23

4 ንየሱስ ምሰሎ:- የሱስ ንሕቶታት ሓደ ፈላጥ ሕጊ ኺምልስ ከሎ: ንዓና ዚኸውን ጽቡቕ ኣብነት ገዲፉ እዩ። የሱስ ቀጥታዊ መልሲ ኣይሃቦን። ከምኡ እንተ ዚገብር: እቲ ሰብኣይ እምነታቱ ኣብ ልቡ ኣጸቢቑ ሰሪቱ ስለ ዝነበረ ኣይምተቐበሎን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ክንዳኡ: ቅዱሳት ጽሑፋት ጠቒሱ ሓሳባቱ ኺገልጽ ዓደሞ፣ ምሳሌ ተጠቒሙ ድማ ኣረድኦ።—ሉቃ. 10:25-37

5 ሓቂ ቓል ኣምላኽ: ንጽኑዕ እምነታት ሓሶት ሃይማኖት ኬፍርስ ይኽእል እዩ። (እብ. 4:12) ንሓቂ ብዓቕሊ ብምግላጽ: ንሰማዕትና ነቲ ናይ ሓሶት እምነታት ነጺጎም ነቲ ሓራ ኼውጽኦም ዚኽእል ሓቂ ኸም ዚሕዙ ኽንገብሮም ንኽእል ኢና።—ዮሃ. 8:32

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ