ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/08 ገጽ 3
  • መዘኻኸሪታት ኣኼባ ኣውራጃ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መዘኻኸሪታት ኣኼባ ኣውራጃ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
km 9/08 ገጽ 3

መዘኻኸሪታት ኣኼባ ኣውራጃ

◼ ሰዓታት እቲ ኣኼባ፦ እቲ ኣኼባ ሰለስቲኡ መዓልቲ ሰዓት 9:20 ቅ.ቀ. ኪጅምር እዩ። ማዕጾ ሰዓት 8:00 ቅ.ቀ. ኪኽፈት እዩ። እቲ ኣኼባ ብምዕሩግ ኣገባብ ምእንቲ ኺጅምር፡ እቲ መእተዊ ሙዚቃ ኺስማዕ ከሎ ዅላትና ኾፍ ክንብል ኣሎና። እቲ ኣኼባ ዓርብን ቀዳምን 4:55 ድ.ቀ.፡ ሰንበት ድማ 4:00 ድ.ቀ. ኺዛዘም እዩ።

◼ ጥምቀት፦ እዚ ርእስኻ ንየሆዋ ኸም ዝወፈኻ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እተርእየሉ ተግባር፡ ኣርዚንካ ኺርአ ዘለዎ ጕዳይ ምዃኑ፡ ወለዲ ንንኣሽቱን ንዝዓዀኹን ደቆም ኬረድእዎም ኣለዎም። ስለዚ፡ ንኣሽቱ ቘልዑ እውን እንተ ዀኑ፡ ጥምቀት ዜሐጕስ ኣጋጣሚ እኳ እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ ሕጹያት ጥምቀት እትስሕቀሉ እዋን ዘይምዃኑ ኺርድኡ ኣለዎም።

◼ ደው መበሊ ማካይን፦ ኣብ ኵሉ እቲ ደው መበሊ ማካይን እተፈቕደልና ቦታ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ መኣከቢ፡ ከከም ኣመጻጽኣኡ ቐዲሙ ዝመጸ ብዘይ ክፍሊት ማኪና ደው ኬብል ይኽእል እዩ። ባጅ ካርድ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ነቲ ደው መበሊ ንምጥቃም ዚፍቀደሉ ሰብ መለለዪኡ ዀይኑ ኼገልግል እዩ።

◼ ኮፍ መበሊ ምሓዝ፦ ኮፍ መበሊ ነቶም ምሳኻትኩም ብማኪና ዚመጹ ወይ ምሳኻትኩም ኣብ ሓደ ቤት ዚነብሩ ሰባት ጥራይ እዩ ኺተሓዝ ዘለዎ።

◼ ምሳሕ፦ ኣብ እዋን ምሳሕ ምግቢ ንምብላዕ ካብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ናብ ካልእ ኣብ ክንዲ እትኸዱ፡ በጃኹም ምሳሕኩም ሒዝኩም ምጹ። ኣብ ትሕቲ ኾፍ መበሊኹም ክትኣቱ እትኽእል ንእሽቶ መዝሓሊት ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ስድራቤታት ኣብ ምዝንጋዕ ዚወስዳኦ ዓብዪ መዝሓሊ፡ ጠራሙዝ፡ ከምኡውን ኣልኮላዊ መስተ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ኺኣቱ ኣይፍቀድን እዩ።

◼ ወፈያታት፦ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብፍታው ወፈያታት ብምግባር ሞሳና ኽንገልጽ ንኽእል ኢና።

◼ ሓደጋታትን ድንገተኛ ዅነታትን፦ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚካየደሉ ቦታ ንሕክምና ዚምልከት ድንገተኛ ዅነታት እንተ ተላዒሉ፡ በጃኹም ነቲ ኣብ ጥቓኹም ዘሎ ኣአንጋዲ ንገርዎ። ንሱ ድማ ብኡንብኡ ነቶም ክፍሊ ቐዳማይ ረድኤት ኬፍልጦም እዩ። እቶም ቀዳማይ ረድኤት ንኺህቡ ብቕዓት ዘለዎም ሰብ ሞያ ኸኣ ንኽብደት እቲ ዅነታት ብምግምጋም ዜድሊ ረድኤት ኪህቡኹም እዮም።

◼ ተኸታተሎ እትበሃል ፎርም፦ እታ በጃኻ ተኸታተሎ (S-43) እትበሃል ፎርም፡ ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ ብዝገበርናዮ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ተገዳስነት ናይ ዘርኣየ ዝዀነ ሰብ ሓበሬታ ንምጽሓፍ ክንጥቀመላ ይግባእ። ነዛ ፎርም እዚኣ ብግቡእ ምስ መላእካያ ምእንቲ ኺከታተልዎ ናብቲ ኣብቲ ኣኼባ ዚርከብ ክፍሊ መጻሕፍቲ ወይ ናብ ጉባኤ ምስ ተመለስካ ነቲ ናይ ጉባኤኻ ጸሓፊ ኽትህቦ ትኽእል ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ