መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት
12 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 26 (212)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ናይ 1 ጥቅምቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ጥቅምቲ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ኣቀራርባ እንገብረላ ንሓዲአን እኳ እንተ ዀንና: ክልቲአን ብሓንሳእ ክንዕድለን ኣሎና።
15 ደቒቕ:- ኣብታ “ሓድሽ መደብ ኣኼባ ወረዳ” ወይ ኣብታ “ሓድሽ መደብ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ” ተምርኲሱ ዚቐረብ መደረ። (ነቲ ጉባኤኹም ኣቐዲማ እትወስዶ ኣኼባ ፈለማ ምረጽ: ነታ ኻልአይቲ ዓንቀጽ ድማ ኣብ ካልእ ግዜ ኣቕርባ።) እንተ ተፈሊጡ: እቲ ዚቕጽል ዓብዪ ኣኼባ መዓስ ምዃኑ ሓብር።
20 ደቒቕ:- “ከም ለባማት ተመላለሱ።” ግዜ ኸም ዜፍቅዶ: ሰማዕቲ ነቲ ጥቕስታት ሓሳባት ኪህቡሉ ዓድሞም።
መዝሙር 18 (162)
19 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 29 (222)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዚዕደል ጽሑፋት ጥቐስ: ሓንቲ መርኣያ ድማ ኣቕርብ።
15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
20 ደቒቕ:- “ኣይተድሓርሕር!” ሕጡብ ጽሑፍ 5 ኽትመያየጡላ ኸለኹም: ንሰባት መጽናዕቲ ብምምራሕ ናብ ሓቂ ዜምጽኡ ኣሕዋት ዚህብዎ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ። ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ዓስቢ ዘለዎን ዜሐጕስን ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ካብ ተኣከብቲ ዚወሃብ ሓደ ወይ ክልተ ሓሳባት ኣቐዲምካ ኸተዳሉ ትኽእል ኢኻ።
መዝሙር 6 (45)
26 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 4 (43)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ጸብጻብ ሕሳብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣመልኪቱ ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ። ኣስፋሕቲ ናይ ሕዳር ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺህቡ ኣዘኻኽሮም። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ነተን ናይ 15 ጥቅምቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ሕዳር ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ።
15 ደቒቕ:- ፍቕርኻ ኸተግፍሕ ትኽእልዶ፧ ኣብ ናይ 1 ጥሪ 2007 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 9-11 ተመርኲስካ ብሽማግለ ዚቐርብ መደረ።
20 ደቒቕ:- ኣቱም መንእሰያት: ንየሆዋ ብኸመይ ከተመስግንዎ ትኽእሉ፧ ኣብ ናይ 15 ሰነ 2005 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 26-8 ሕጡብ ጽሑፍ 15-19 ተመርኲስካ: በቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት ዚግበር ምይይጥ። ንሕጡብ ጽሑፍ 18 ኽትመያየጡላ ኸለኹም: እቶም መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ ንመማህርቶም ወይ ንመምህራኖም ብኸመይ ከም ዚመስከሩሎም ኬዘንትዉ ዓድሞም።
መዝሙር 26 (212)
3 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 11 (85)
15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። ሕቶ ሳጹን ኣቕርብ።
15 ደቒቕ:- ኣብ ብዘላ ዓለም ንዘለዉ ሰባት ዚጠቕሙ ምሩቓት እተፍሪ ቤት ትምህርቲ። ኣብ ናይ 15 ሕዳር 2006 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 10-13 ዘሎ ሓሳባት ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ። ኣብታ ጉባኤ ዚርከቡ ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ እተኻፈሉ ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ ሓጺር ቃለ-መጠይቕ ግበረሎም። እቲ ቤት ትምህርቲ ኸም ወንጌላውያን: ጓሶት: ከምኡውን መምህራን መጠን ዕቤት ንኺገብሩ ብኸመይ ሓጊዝዎም፧ ነቶም ብቑዓት ዝዀኑ ኣሕዋት: ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ምክፋል ከም ሸቶ ኺሕዝዎ ኣተባብዓዮም።
15 ደቒቕ:- “ንኻልኦት ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ነካፍሎም ኢና።” ግዜ ኸም ዜፍቅዶ: ሰማዕቲ ነቲ ጥቕስታት ሓሳባት ኪህቡሉ ዓድሞም።
መዝሙር 23 (200)