ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/07 ገጽ 2
  • መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 10 መስከረም እትጅምር ሰሙን
  • 17 መስከረም እትጅምር ሰሙን
  • 24 መስከረም እትጅምር ሰሙን
  • 1 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 9/07 ገጽ 2

መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት

10 መስከረም እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 7 (51)

መዘኻኸሪ:- ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣብቲ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ዚግበረሉ እዋን: ንነፍሲ ወከፍ ሰሙን ዚኸውን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ ሒዛ ኽትወጽእ እያ። ጉባኤታት ኣብቲ “ንክርስቶስ ስዓብዎ!” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣብ ዝካፈላሉ ግዜያት እቲ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና መደባት ንኸይሓልፈን ዜድሊ ምትዕርራያት ኪገብራ ይኽእላ እየን። ዚከኣል እንተ ዀይኑ: ኣብታ ቐቅድሚ እታ ኣብ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ምውሳድኩም ዘላ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ 15 ደቒቕ ዚኸውን ግዜ ወሲድኩም: ነቲ ኸባቢ ዚኸውን ምኽርታትን መዘኻኸሪታትን ንምድጋም ተጠቐሙሉ። ድሕሪ እቲ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ሓደ ወይ ክልተ ወርሒ ጸኒሕኩም: ካብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ 15 ወይ 20 ደቒቕ ዚኸውን ግዜ (ምናልባት ኣብቲ ነታ ጉባኤ ዜድሊ ዚብል ክፍሊ): ነቲ ኣስፋሕቲ ኻብቲ ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ኣብ ኣገልግሎት ሓጋዚ ዀይኑ ዝረኸብዎ ቐንዲ ቐንዲ ነጥብታት ንምድጋም ተጠቐሙሉ። እቲ ድግማ ብሓላው ኣገልግሎት ኪቐርብ ኣለዎ። ሰማዕቲ ነቲ ትምህርቲ ኣብ ኣገልግሎቶም ብኸመይ ይዓዩሉ ኸም ዘለዉ ወይ ኪዓዩሉ ኸም ዚመደቡ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ነሓሰ 2007 ሕታም ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣብ ዚመጽእ ሰሙን ክቐርብ ምዃኑ ኣዘክሮም። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ናይ 1 ነሓሰ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ነሓሰ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ኣቀራርባ እንገብረላ ንሓዲአን እኳ እንተ ዀንና: ክልቲአን ብሓንሳእ ክንዕድለን ኣሎና።

15 ደቒቕ:- ሕቶ ሳጹን። ብሽማግለ ዚቐርብ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ግዜ ኸም ዜፍቅዶ ነቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታት ብምንባብ ተመያየጠሉ።

20 ደቒቕ:- “ነቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ስዓቡ።” ንሰማዕቲ ኻብ ኣብነት ካልኦት ብኸመይ ከም እተጠቕሙ ኼዘንትዉ ዓድሞም።

መዝሙር 22 (130)ን መዕጸዊ ጸሎትን

17 መስከረም እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 29 (222)

5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

20 ደቒቕ:- ክብረት ብምንጽብራቕ ንክርስቶስ ስዓቦ። ጸሓፊ ጉባኤ ኣብ ናይ ነሓሰ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ገጽ 5 ተመርኲሱ ኸምኡውን ካብ “መዘኻኸሪታት ኣኼባ ኣውራጃ” ኣገዳሲ ነጥብታት ብምውሳድ ዜቕርቦ ምይይጥ።

20 ደቒቕ:- ሓድነት ዘለዎ ሕውነት። ኣብ ምዕራፍ 16 እታ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ ዘርእስታ መጽሓፍ ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን።

መዝሙር 11 (85)ን መዕጸዊ ጸሎትን

24 መስከረም እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 18 (162)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ጸብጻብ ሕሳብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣመልኪቱ ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ።

15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ።

20 ደቒቕ:- ኣብ ጥቅምቲ ነታ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት ተጠቒምካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። ኣብ ጥቅምቲ ዚዕደል ጽሑፋት ንቕሑ! ኸምኡውን ግምቢ ዘብዐኛ እዩ። ተገዳስነት ምስ ዚርከብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ነታ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። እንተ ደኣ ኣላትኩም ኰይና ንዅሎም ተኣከብቲ ሓሓንቲ ቕዳሕ ድሕሪ ምዕዳል ኣሕጽር ኣቢልካ ተመያየጠላ። ነታ ትራክት ብምልእታ ወይ ገለ ኽፋላ ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሖም ወይ ተመሊሶም ኣብ ዚበጽሑሉ እዋን ምስቲ በዓል ቤት ኪመያየጡላ ኸም ዚኽእሉ ግለጽ። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ነቲ ናይ 15 ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ መስከረም ንቕሑ! መጽሔታት ብኸመይ ከም እትዕድሎ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያታት እዚ: እቲ በዓል ቤት መጽሔት ምቕባል ምስ ኣበየ እቲ ኣስፋሒ ነታ ትራክት ይገድፈሉ። ኣብታ ኻልኣይቲ መርኣያ ድማ እቲ በዓል ቤት መጽሔት ድሕሪ ምቕባሉ: እቲ ኣስፋሒ ነታ ትራክት ይዕድሎ ንገጽ 5 ድማ ይመያየጠላ፤ ነታ ኣብ ገጽ 6 ዘላ ኩፖን ብምርኣይ ነታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ሒዝሉ ኺመጽእ ምዃኑ ድማ ይነግሮ።

መዝሙር 29 (222)ን መዕጸዊ ጸሎትን

1 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 6 (45)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ መስከረም ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺህቡ ኣዘኻኽሮም።

15 ደቒቕ:- ዝሓለፈ ዓመት እንታይ ዓሚምና፧ ሓላው ኣገልግሎት: ኣብቲ ኣብ ኣገልግሎት እተዓመ ዜተባብዕ ነገራት ብምትኳር ጸብጻብ ዝሓለፈ ዓመት የቕርብ። ስለቲ ዝገበርዎ ሰናይ ዕዮ ንኣዶም። ኣብ ዚመጽእ ሓድሽ ኣገልግሎት ዓመት ኪትኰረሉ ዘለዎ ሓደ ወይ ክልተ መዳያት ጥቐስ። ብዛዕባ እቲ ፈለምቲ ዚፍጽምዎ ዘለዉ ንጥፈታት ሓሳባት ሃብ: ስለቲ ዝዓመምዎ ዕዮ ድማ ንኣዶም። ነቶም ዘይንጡፋት ኣሕዋት ንምሕጋዝ ኣብ እተገብረ ጻዕሪ እተረኽበ ጽቡቕ ውጽኢት ግለጽ።

20 ደቒቕ:- “ኣገልግሎትና ኸነስፍሕ ንጽዓር።” ኣብ ኣገልግሎቶም ዝያዳ ኺዓዩ ዚጽዕሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ሓሳባት ኪህቡ ኸምኡውን ዝያዳ ኺዓዩ ዜኽእሎም መገድታት ብኸመይ ከም ዜናድዩ ኺገልጹ ዓድሞም። ሓደ ወይ ክልተ ሓሳባት ኣቐዲምካ ኸተዳሉ ትኽእል ኢኻ።

መዝሙር 24 (185)ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ