መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት
13 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 18 (162)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ነተን ናይ 1 ሓምለ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ሓምለ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያታት እዚ: እቲ ኣስፋሒ ንሓደ ኻብቲ ኣብ ገጽ 6 ሕጡብ ጽሑፍ 3 ሕታም እዛ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዚርከብ ሓሳባት ተጠቒሙ: ኣብ ዚቕጽል ምብጻሑ ዚምልሶ ሕቶ ከም ዜልዕል ግበር።
20 ደቒቕ:- ካብ ቲኦክራስያዊ ተገዛእነት ምጥቃም። ኣብ ምዕራፍ 15 እታ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ ዘርእስታ መጽሓፍ ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን።
15 ደቒቕ:- “ንየሆዋ ብስድራቤት ምምላኽ።” ንሰማዕቲ ብስድራቤት ኣብ ኣገልግሎት ብምክፋሎም ብኸመይ ከም እተጠቕሙ ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም። ሓደ ወይ ክልተ ሓሳባት ኣቐዲምካ ኸተዳሉ ትኽእል ኢኻ።
መዝሙር 26 (212)ን መዕጸዊ ጸሎትን
20 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 6 (45)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ጸብጻብ ሕሳብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣመልኪቱ ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ። ነቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ነተን ናይ 15 ሓምለ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ነሓሰ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ።
15 ደቒቕ:- ኣብ መስከረም ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ኣብ መስከረም ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ክንዕድልን ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕና ሒደት ሕጡብ ጽሑፋት ምስቲ ብዓል ቤት ክንመያየጠሉ ኽንጽዕርን ኢና። ነቲ ኣብ ናይ ጥሪ 2006 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ዘሎ ኣቀራርባ ድገሞ: ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕካ ብኸመይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተጀምር ዜርኢ ሓደ ወይ ክልተ መርኣያታት ድማ ኣቕርብ።
20 ደቒቕ:- “መሰናድዎ ጉባኤ መጽናዕቲ መጽሓፍ ብኸመይ ይሕግዘና፧” ንሕጡብ ጽሑፍ 5 ኽትመያየጡላ ኸለኹም: ኣብ ገጽ 41 ሕጡብ ጽሑፍ 2 እታ እተወደበ እትበሃል መጽሓፍ ዘሎ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ።
መዝሙር 18 (162)ን መዕጸዊ ጸሎትን
27 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 21 (191)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
20 ደቒቕ:- “ንሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት ዚኸውን ዚነኣድ ሸቶ።” ንሓደ ወይ ክልተ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ዘገልገሉ ኣስፋሕቲ ቓለ-መጠይቕ ግበረሎም። ኣብ መደባቶም እንታይ ምትዕርራያት ገይሮም፧ ብኸመይ ተጠቒሞም፧ እንተ ተረኺቡ: ካብቶም ቃለ-መጠይቕ ዚግበረሎም ብሓገዝን ደገፍን ኣባላት ስድራቤቱ ሓጋዚ ፈላሚ ዀይኑ ዘገልገለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንሕጡብ ጽሑፍ 9 ኽትመያየጡላ ኸለኹም: ገያሺ ሓላዊ ንጉባኤኹም ዝበጽሓሉ ዕለት ኪፍለጥ እንተ ተኻኢሉ ሓብር።
20 ደቒቕ:- “ነቲ ‘ንክርስቶስ ስዓብዎ!’ ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ ንምፍላጥ ዚግበር ስሙር ዓለምለኻዊ ጻዕሪ።” ንሕጡብ ጽሑፍ 3 ኽትመያየጡላ ኸለኹም: ኣብ መጽሓፍ ዓመት 2007 ካብ ገጽ 7 ኽሳዕ ገጽ 10 ኣብ ዘላ ንኡስ ኣርእስቲ ዚርከብ ሓሳባት ምስ ኣብቲ ኸባቢ እተረኽበ ተመክሮታት ኣሰኒኻ ኣቕርብ።
መዝሙር 12 (113)ን መዕጸዊ ጸሎትን
3 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 7 (51)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታትን ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታትን። ኣስፋሕቲ ናይ ነሓሰ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺህቡ ኣዘኻኽሮም።
15 ደቒቕ:- “ነቲ ፍሉይ መሰላትና ኣኽቢርና ንርኣዮ!” ግዜ ኸም ዜፍቅዶ: ሰማዕቲ ነቲ ጥቕስታት ሓሳባት ኪህቡሉ ዓድሞም።
20 ደቒቕ:- “ምዕዳል መጽሔት ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትቅይሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧” ነቲ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 2 ዘሎ ሓሳባት ተጠቒምካ ሕጽር ዝበለ መርኣያ ኣቕርብ። ኣስፋሕቲ ድሕሪ እታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚግበር ነቲ ሰብ ዘርኣዩላ እዋን: ክልተ ሳዕ መጽናዕቲ እንተ መሪሖምሉ እሞ ዚቕጽል መሲሉ ድማ እንተ ተራእይዎም ጸብጻብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪህቡሉ ኸም ዚኽእሉ ኣዘኻኽሮም።
መዝሙር 16 (143)ን መዕጸዊ ጸሎትን