ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/07 ገጽ 2
  • መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 9 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 16 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 23 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 30 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 6 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 7/07 ገጽ 2

መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት

9 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 2 (15)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ናይ 1 ሰነ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ሰነ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ።

15 ደቒቕ:- ናይ ሓቂ ሓጐስ ብኸመይ ይርከብ፧ ኣብ ናይ 15 ግንቦት 2006 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 28-9 ሕ.ጽ. 11-12 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ንሓደ ባህታ ወይ ዓለማዊ ሞያ ኣብ ምስዓብ ዘይኰነስ ኣብ ኣገልግሎት ከተኵር ዝመረጸ ሓው ሕጽር ዝበለ ቓለ-መጠይቕ ግበረሉ። ቲኦክራስያዊ ሸቶታት ኪስዕብ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ እዚኸ ብኸመይ ሓጐስ ኣምጽኣሉ፧

20 ደቐቕ:- ሕቶ ሳጹን። ብሽማግለ ዚቐርብ። ንብምልእታ እታ ዓንቀጽ ኣንቢብካ ተመያየጠላ። ካብቲ ኣብ ናይ 22 ግንቦት 2005 ንቕሑ! ገጽ 13-14 (እንግሊዝኛ) ኣብ ትሕቲ እቲ “ምትላልን ምስጢራውነትን ዘለዎ ሓደጋታት” ኸምኡውን “ካብ ነቲ ዚመስል ነቲ ኽዉን ምምራጽ” ዚብል ንኡስ ኣርእስታት ዚርከብ ነጥብታት ወሲኽካ ኣቕርብ።

መዝሙር 12 (113)ን መዕጸዊ ጸሎትን

16 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 22 (130)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

20 ደቒቕ:- ሰላምን ንጽህናን እታ ጉባኤ ምሕላው። ካብ ገጽ 144 ክሳዕ ገጽ 150 ዘላ ንኡስ ኣርእስቲ እታ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ ዘርእስታ መጽሓፍ ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን።

15 ደቒቕ:- “ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ እተገብረ ዜሐጕስ ለውጥታት”

መዝሙር 17 (187)ን መዕጸዊ ጸሎትን

23 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 18 (162)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ጸብጻብ ሕሳብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣመልኪቱ ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ነተን ናይ 15 ነሓሰ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ሓምለ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ።

20 ደቒቕ:- ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ። ኣብ ናይ 15 ጥሪ 2005 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 21-3 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ። ንሓደ ወይ ክልተ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ብምዃኖም ዚፍለጡ ኣስፋሕቲ ሕጽር ዝበለ ቓለ-መጠይቕ ግበረሎም። ተቐበልቲ ኣጋይሽ ንኪዀኑ እንታይ ጻዕርታት ገበሩ፧ ከም ውጽኢቱኸ ንሳቶምን ስድራቤቶምን እንታይ በረኸት ረኸቡ፧

15 ደቒቕ:- ውጽኢታዊ መእተዊታት ምድላው። ኣብ ገጽ 9 ሕ.ጽ. 1-2 እታ ምምርማር (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ ተመርኲስካ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ኣብ ነሓሰ ዚዕደል ጽሑፋት ብኸመይ ከም እንዕድል ዜርኢ ኽልተ መርኣያታት ኣቕርብ።

መዝሙር 16 (143)ን መዕጸዊ ጸሎትን

30 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 13 (124)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ሓምለ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺህቡ ኣዘኻኽሮም።

15 ደቒቕ:- ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ በረኸት የሆዋ የምጽእ። ኣብ ናይ 15 ሕዳር 2005 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 8-9 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ።

20 ደቒቕ:- “እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ።” ንሕጡብ ጽሑፍ 3 ኽትመያየጡላ ኸለኹም: ሰማዕቲ ሃንደበት ንዚለዓል ሽግራት ንኺወጽእሉ ድልድልቲ እምነት ብኸመይ ከም ዝሓገዘቶም ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም። ሓደ ወይ ክልተ ሓሳባት ኣቐዲምካ ኸተዳሉ ትኽእል ኢኻ።

መዝሙር 1 (13)ን መዕጸዊ ጸሎትን

6 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 21 (191)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ።

20 ደቒቕ:- “ንሰባት ደጋጊምና እንበጽሖም ስለምንታይ ኢና፧” ንሕጡብ ጽሑፍ 5 ኽትመያየጡላ ኸለኹም: ሰማዕቲ ተጻረርቲ ወይ ዘይግደሱ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ሓቂ ኺመሃሩ ዘለዓዓሎም እንታይ ምዃኑ ኼዘንትዉ ዓድሞም።

መዝሙር 8 (53)ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ