መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት
14 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 28 (224)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ነተን ናይ 1 ሚያዝያ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ሚያዝያ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ።
20 ደቒቕ:- ኣብ ከባብን ኣብ ዓለምለኸን ዚግበር ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ምድጋፍ። ኣብ ምዕራፍ 12 እታ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ ዘርእስታ መጽሓፍ ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን።
15 ደቒቕ:- “ንድኹም ሓይሊ ይህብ።” ግዜ ኸም ዜፍቅዶ: ሰማዕቲ ነቲ ጥቕስታት ሓሳባት ኪህቡሉ ዓድሞም።
መዝሙር 6 (45)ን መዕጸዊ ጸሎትን
21 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 11 (85)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ሕቶ ሳጹን ኣቕርብ።
15 ደቒቕ:- ካልእ ቋንቋ ኽትመሃር ትኽእል ኢኻ! ኣብ ናይ መጋቢት 2007 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 10-12 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ። ነቲ ብስራት ንምስፋሕ ኢልካ ኻልእ ቋንቋ ምምሃር ዘለዎ ጥቕሚ ኣጕልሕ።
20 ደቒቕ:- “ንቓል ኣምላኽ ትጣበቐሉ ዲኻ፧” ኣብ ገጽ 143-4 እታ ሚኒስትሪ ስኩል እትበሃል መጽሓፍ ዚርከብ ሳጹናት ዘሎ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ።
መዝሙር 1 (13)ን መዕጸዊ ጸሎትን
28 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 5 (46)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ጸብጻብ ሕሳብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣመልኪቱ ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ። ኣስፋሕቲ ናይ ግንቦት ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺህቡ ኣዘኻኽሮም። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ነተን ናይ 15 ሚያዝያ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ግንቦት ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ።
20 ደቒቕ:- ኣብ ወርሒ ሰነ ነታ ክርኤተር ወይ ሓጐስ ስድራቤት እትበሃል መጽሓፍ ዓድል። ንገለ ኻብቲ ምስ ግዜና ዚኸይድ ትሕዝቶ እተን መጻሕፍቲ ኣቕርብ: ከምኡውን ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ ተጠቒምካ ነተን መጻሕፍቲ ብኸመይ ከም እንዕድለን ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። ግዜ ኸም ዜፍቅዶ: ሰማዕቲ ነዘን ጽሑፋት እዚኣተን ተጠቒሞም ምስ ዚፈልጥዎም ሰባት ወይ ኣባላት ስድራቤቶም ኣብ ዝገበርዎ ምይይጥ እንታይ ጽቡቕ ውጽኢት ከም ዝረኸቡ ኼዘንትዉ ዓድሞም።
15 ደቒቕ:- ካብ ኣገልግሎት ወፍሪ እተረኽበ ተመክሮታት። ኣብ መጋቢት: ሚያዝያ: ከምኡውን ግንቦት ሓገዝቲ ፈለምቲ ወይ ካልኦት ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣበርቲዖም ዝዓየዩ ኣስፋሕቲ ዝረኸብዎ ተመክሮታት ኣዘንቱ። ተመክሮታት እቶም መጽሔት ንዜብጽሑሎም ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ዚብል ሸቶ ሒዞም ተመላሊስካ ምብጻሕ ዚገበሩሎም ኣሕዋት እውን ኣዘንቱ። ሓደ ወይ ክልተ ብሉጽ ተመክሮታት ብመርኣያ ኸተቕርቦ ትኽእል ኢኻ።
መዝሙር 8 (53)ን መዕጸዊ ጸሎትን
4 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 17 (187)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
20 ደቒቕ:- “ደቅኻ ንየሆዋ ኺውድሱ ምሃሮም።” ንሕጡብ ጽሑፍ 4 ኽትመያየጡላ ኸለኹም: ኣብ ናይ ሓምለ 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 3 ዘሎ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ።
መዝሙር 16 (143)ን መዕጸዊ ጸሎትን