ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ
ኣብነት የሱስ ብምስዓብ: “ስምካ ይቀደስ” ኢልና ናብ ኣምላኽ ልባዊ ጸሎት ነቕርብ ኢና። ምስቲ ጸሎትና ተሰማሚዕና ንኽንነብር ዘሎና ሓያል ባህጊ: በቲ ኸም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን እንነብሮ ናብራና ይርአ እዩ። ልክዕ እዩ: ስም ኣምላኽ ካብ ምፍላጥ ንላዕሊ ብዙሕ ክንገብር እዩ ዜድልየና። እንረኽቦ ዘበለ ዅሉ ኣጋጣሚ ነቲ ስም እቲ ንኻልኦት ንኸነፍልጥ ክንጥቀመሉ ኣሎና። ናይ የሆዋ ምስክር ተባሂልና እንጽዋዕ ምዃንና: ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝዓበየ ኽብሪ እዩ።—ማቴ. 6:9፣ ኢሳ. 43:10
ህዝቢ የሆዋ ምስቲ ኣብ መዝሙር 110:3 ዘሎ ብምስምማዕ: ኣብቲ የሆዋ ኺግበር ኣለዎ ዝበሎ ዕዮ ብፍታው ተጸሚዶም ኣለዉ። ካብ ኵሉ ኽሊ ዕድመን ድሕረ-ባይታን ዝመጹ ሰባት ኣብቲ ዕዮ ስብከት ተጸሚዶም ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧ ብቐዳምነት: ንኣምላኽ ፍቕሪ ስለ ዘላቶምን ንዕኡ ብሕታዊ ተወፋይነት ስለ ዘለዎምን እዩ። ዘዳግም 6:5, 6 ንየሆዋ ‘ብዅሉ ልብናን ነፍስናን ሓይልናን’ ክንፈትዎ ትእዝዘና እያ። እዛ ኻብ ልቢ ዝነቐለት ፍቕሪ እዚኣ ግዜናን ጕልበትናን ጥሪትናን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ክንጥቀመሉ ትድርኸና፣ እዚ ድማ ኣብቲ ኣገልግሎት ኵነታትና ብዚፈቕደልና መጠን ምሉእ ብምሉእ ምስታፍ የጠቓልል።
የሆዋ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ምድሪ ንኺእወጅ ዝኣዘዘ: ንደቅሰብ ካብ ዘላቶ ፍቕሪ ተላዒሉ እዩ። ኵላቶም ካብቲ ሕማቕ መገዶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑን ናብ ፈጣሪኦም ተመሊሶም ብህይወት ኪነብሩን ደኣ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ኣይፈቱን እዩ። (2 ጴጥ. 3:9) የሆዋ: “ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እሞ ብህይወት ኪነብር እምበር: ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን እዩ” በለ። (ህዝ. 33:11) ኣብ ኣገልግሎት ክንጽመድ ከለና: የሆዋ ንሰባት ዘላቶ ፍቕሪ እነርእየሉ መርትዖ ኢና እንህብ ዘለና። እዚ ሓቂ እዚ ነቲ ኣብዚ ኣገዳሲ ዕዮና ኽንካፈል ከለና እንረኽቦ ሓጐስን ዕግበትን ኣበርክቶ ኸም ዚገብር ኣየጠራጥርን እዩ።
ንየሆዋ ዘላትና ዓማቝ ፍቕሪ: በቲ ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ ዝዀነ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘሎና ኣረኣእያ እውን ይንጸባረቕ እዩ። ብዘይ መጽሓፍ ቅዱስ: ንኣምላኽ ኣይምፈለጥናዮን: ከምቲ ኣብ ያእቆብ 4:8 ቐሪቡልና ዘሎ ዕድመ ድማ ኣይምቐረብናዮን። ኣብዚ ብህይወት ዘለናሉ ምኽንያት ኰነ ኣብ መጻኢ እንታይ ይጽበየና ኸም ዘሎ ኣይምፈለጥናን። ኣቦና ኣዳም ምንጪ ጸገማትና ምዃኑ ኣይምፈለጥናን። (ሮሜ 5:12) ኣምላኽ ነቲ ሓደ ወዱ በጃ ኪዀነና ብምሃብ ዘርኣያ ዓባይ ፍቕሩ እውን ኣይምፈለጥናያን። የሆዋ ብብዙሕ ካልእ መገድታት እተወሰነ ፍልጠቱን ጥበቡን ምርዳኡን የካፍለና ኣሎ። ነቲ ንሱ ዝሃበና ውህበት ዝዀነ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኣኽቢርና እንርእዮ! ነዚ ዜደንቕ ውህበት እዚ ዘሎና ሞሳ: ቃሉ ንኸነንብቦን ንኸነጽንዖን ንኸነስተንትነሉን ይድርኸና። (ኤፌ. 5:15, 16፣ መዝ. 1:1-3) በቲ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንገብር እነሕልፎ ግዜ ኽንጠዓስ የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ: ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ናብ ቃሉ ኽትስሕበና ኣለዋ: እዚ ድማ ብዛዕባኡ ዘሎና ምርዳእ ንኸነስፍሕን ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ንኸነዕምቛን የኽእለና።
ኣዳም ኣብ የሆዋ ምስ ሓጥአ: ንዅሎም ኣብ መጻኢ ዚውለዱ ዘርኡ: ማለት ንዅላትና: ኣብ ተስፋ ዘይብሉ ዓዘቕቲ እዩ ሸሚሙና። ኣምላኽ ግን ንምድሪ ዝነበሮ ዕላማ ምእንቲ ኺፍጸም ኢሉ: ንደቅሰብ መውጽኢ ኺገብረሎም ክእለት ነበሮ: ከምኡ ኸኣ ገበረ።—ዘፍ. 3:15
ነፍሲ ወከፍና ነቲ ዜገርም ስም ኣምላኽና ንኽንቅድስ ሓያል ባህጊ ኸም ዘሎና ዜጠራጥር ኣይኰነን። የሆዋ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ብዝያዳ እናፈለጥና ምስ ከድና: ነቲ ዓብዪ ስሙን ዕላማኡን ከም ዚፍለጥ ኣብ ምግባር ምስኡን ምስ ውድቡን ንኽንተሓባበር ንድረኽ ኢና። ሕጂ ሞገሱን በረኸቱን: ኣብታ ሓዳስ ዓለም ከኣ ዘለኣለማዊ መጻኢ ኸም እንረክብ ርግጸኛታት ኢና።
ንሕና ኣባላት እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ንዓኻትኩም ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ዘላትና ፍቕሪ ኸነረጋግጸልኩም ንደሊ። ቅድሚ እቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ተሪፉ ኣብ ዘሎ ግዜ ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት እቲ ብስራት ንምብጻሕ ኢልኩም ትግሃት ዝመልኦ ጻዕሪ ትገብሩ ስለ ዘለኹም: ዓሚቝ ሞሳና ኽንገልጸልኩም ንፈቱ። (ራእ. 7:14) ከምዚ ብምግባርኩም: ከምቲ ንዓኻትኩም ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽን ክርስቶስን ዚገልጽ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕ ፍልጠት ክትቀስሙ ኣጋጣሚ እተኸፍተልኩም: ንኻልኦት ሰባት እውን ተመሳሳሊ ኣጋጣሚ ትኸፍቱሎም ኢኹም።—ዮሃ. 17:3
ኣሕዋትኩም:
ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር