ናይ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
ድግማ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 26 ለካቲት 2007 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ኻብ 1 ጥሪ ኽሳዕ 26 ለካቲት 2007 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርአ።]
ባህርይ ዘረባ
1. መደረ ኸተቕርብ ክትዳሎ ኸለኻ: ግብራዊ ጥቕሚ እቲ መደረ ንምጕላሕ እንታይ ሕቶታት ኪሕግዘካ ይኽእል፧ [ht ገጽ 14 ሕ.ጽ. 8]
2. መደረ ኽትዳሎ ኸለኻ ናይ ገዛእ ርእስኻ ግምት ምእንቲ ኸይትህብ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ [ht ገጽ 15 ሕ.ጽ. 13]
3. እቲ ኣብ መደረና እነቕርቦ ነጥብታት ንጹርን ቀሊልን ምዃኑ ንምርግጋጽ እንታይ ኪግበር ኣለዎ፧ [ht ገጽ 15 ሕ.ጽ. 16]
4. ሓደ መደረ ኽንደይ ዚኣክል ሓሳባት እዩ ኺሕዝ ዘለዎ፧ [ht ገጽ 16 ሕ.ጽ. 19]
5. ጥቕሲ ኸተንብብ ከለኻ እንታይ ኢኻ ኸተጕልሕ ዘሎካ፧ [ht ገጽ 30 ሕ.ጽ. 4]
ክፍሊ ቍ. 1
6. እቲ ምኽሪ ዚህብ ሓው ንሓደ ኽፍሊ ዘቕረበ ተመሃራይ ጽቡቕ ነይሩ ወይ ድማ ንሓደ ዓይነት ባህርይ ዘረባ ደጊምካ ስርሓሉ ኣብ ርእሲ ምባል ካልእ ኪሕብሮ ዘለዎ ነገር እንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 7 ሕ.ጽ. 13]
7. ቅኑዕ ዘበለ ናይ ምፍታውን ጌጋ ዘበለ ናይ ምጽላእን ባህርይ ንኽንኵስኵስ ዜድልየና ነገር እንታይ እዩ፧ (እብ. 5:14) [w05 1/1 ገጽ 9 ሕ.ጽ. 11]
8. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ፍትሓዊ ወይ ቅኑዕ ስጕምቲ ወሲዱ እንተ ዀይኑ ዜጠራጥረና ነገር እንተ ኣንቢብና: እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧ [w05 1/2 ገጽ 24 ሕ.ጽ. 7]
9. ሰብ ክንገብሮ ዚደልየና ነገራት ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዚጋጮ እንተ ደኣ ዀይኑ: እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ [w05 15/4 ገጽ 12 ሕ.ጽ. 9]
10. ኢሳይያስ ኣብታ ብመሲህ እትመሓደር መንግስቲ ኣምላኽን ኣብቲ ጸራግ መገዲ ዝነበረ ዮሃንስ መጥመቕን ዜተኵር ብኸመይ እዩ፧ [bsi06 ገጽ 31 ሕ.ጽ. 35]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
11. እቲ ኣብ ኢሳይያስ 25:7 ተጠቒሱ ዘሎ “መጋረጃን” “መጐልበብን” እንታይ እዩ ዜመልክት፧
12. ሰባት ንየሆዋ ‘ኪርእይዎን’ ‘ኪሰምዕዎን’ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ኢሳ. 30:20, 21)
13. ቅኑዕ ወይ ጌጋ:- ህዝቅያስ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 38:3 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸሎት ካብቲ ብህይወት ንኺነብር ዝነበሮ ባህጊ ተለዓዒሉ እዩ ጸልይዎ።
14. እስራኤላውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ኬገልግሉ ዚኽእሉ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧ ንሕናኸ ብኸመይ ክንመስሎም ንኽእል፧ (ኢሳ. 43:10)
15. ምስቲ ኣብ ኢሳይያስ 52:11, 12 ተገሊጹ ዘሎ ትንቢታዊ ጽላሎት ብምስምማዕ: ‘ኣቓሑ እግዚኣብሄር ንምጻር’ እንታይ የድሊ፧