መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት
13 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 21 (191)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ነተን ናይ 1 ጥቅምቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ጥቅምቲ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያታት እዚ: ነቲ “ስራሕኩም እንታይ ምዃኑ ኣጸቢቐ እፈልጦ ኢየ” ዚብል ኰላፊ ዘረባ ብኸመይ ከም እትምልሰሉ ኣርኢ።—ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ገጽ 12 ርአ።
20 ደቒቕ:- ኣገልገልቲ እቲ ብስራት። ካብ ገጽ 77 ክሳዕ እታ ኣብ ገጽ 83 ዘላ ንኡስ ኣርእስቲ እታ ኦርጋናይዝድ ቱ ዱ ጂሆቫስ ዊል ዘርእስታ መጽሓፍ ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን።
15 ደቒቕ:- “ተባዕ ግናኸ ሰላማዊ።” ካብቲ ኣብ ገጽ 252-3 እታ ሚኒስትሪ ስኩል ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ትሕቲ “ዌን ቱ ዪልድ” ዚብል ብሰያፍ ተጻሒፉ ዘሎ ንኡስ ኣርእስቲ ዚርከብ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ።
መዝሙር 4 (43)ን መዕጸዊ ጸሎትን
20 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 13 (124)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ
20 ደቒቕ:- ኣብ ታሕሳስ ነታ ዝዓበየ ሰብኣይ እትበሃል መጽሓፍ ምዕዳል። ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ሰማዕቲ ኻብታ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ እትበሃል መጽሓፍ ብዛዕባ ዚስሕቦም ነጥብታት ሓሳባት ኪህቡን ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ንዓኣ ብምብርካቶም ዝረኸብዎ ተመክሮ ኼዘንትዉን ሕተቶም። ነቲ ኣብ ናይ ጥሪ 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ዚርከብ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ተመያየጠሉ። ብሓደ ኻብቲ ኣብኡ ዘሎ ኣቀራርባ ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ኣስላጢ ዝዀነ ኣቀራርባ ተጠቒምካ: ነታ መጽሓፍ ብኸመይ ከም እንዕድላ ብመርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 11 (85)ን መዕጸዊ ጸሎትን
27 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 8 (53)
5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣመልኪቱ ኻብ ማሕበር ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ።
10 ደቒቕ:- ኣብ ኣኼባታት ብኸመይ ኢና ፍረ ዘለዎ ሓሳብ ክንህብ እንኽእል፧ ኣብ ናይ ሰነ 1995 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘሎ ሕቶ ሳጹን እተመስረተ ብሽማግለ ዚቐርብ ትምህርቲ። በጃኻ ነዊሕን ፍረ ዘይብሉን ሓሳባት ክንህብ ከም ዘይብልና ኣጕልሕ። ኣብታ በነፊት ፍሮም ቲኦክራቲክ ሚኒስትሪ ስኩል ኢጁኬሽን እትበሃል መጽሓፍ ገጽ 70 ከምኡውን 141 ከምኡውን ናይ 1 መስከረም 2003 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 21 ሕጡብ ጽሑፍ 6 ተወከስ።
15 ደቒቕ:- “መጽሔት ንምዕዳል ዚሕግዝ ኣቀራርባ ብኸመይ ከም እተዳሉ።” ክልተ ኣስፋሕቲ ምናልባት ሰብኣይን ሰበይትን ኪዀኑ ይኽእሉ: ካብቲ ኣብ ገጽ 8 ዚርከብ ናይ 15 ጥቅምቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ሕዳር ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ ኣቀራርባ ኺመርጹን ብናይ ገዛእ ርእሶም ቃላት ገይሮም ብኸመይ ከም ዚጥቀሙላ ኺውስኑን ከለዉ ዜርኢ ናይ ሰለስተ ደቒቕ መርኣያ ወሲኽካ ኣቕርብ። ብድሕሪኡ: ነቲ ኣብዛ ምይይጥ ዚግበረላ ዘሎ ዓንቀጽ ዚርከብ ሓሳባት ተጠቒሞም: ነቲ ኣብቲ ኽሎም እዋናዊ ዀይኑ ዝረኸብዎ ዓንቀጽ ብኸመይ ከም ዚጥቀሙሉ ይዳለዉን ብመርኣያ የርእዩን።
15 ደቒቕ:- “ንኽፋላት ደምን ብናይ ገዛእ ርእስኻ ደም ንዚግበር ሕክምናን ብኸመይ እየ ዝርእዮ፧” ብሕቶን መልስን ዚግበር ምይይጥ ከምኡውን መርኣያ። እቲ ነዛ ኽፍሊ እዚኣ ዜቕርብ ሽማግለ: ነቲ ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር እተዳለወ ኣስተዋጽኦ ጠቢቑ ኺስዕብ ኣለዎ።
መዝሙር 16 (143)ን መዕጸዊ ጸሎትን
4 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 15 (127)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ሕዳር ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺህቡ ኣዘኻኽሮም።
15 ደቒቕ:- “ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!” ነታ ጉባኤ: ነቲ ኸም ሳጹናትን መብርሂታትን ዝኣመሰለ ፍሉይ ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ብጽቡቕ ክትጥቀመሉ ኣተባብዓያ። ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ናይ መጽናዕቲ ኽፍለ ግዜ: ብመጽሓፍ ቅዱስ ድግማ ይግበር።
20 ደቒቕ:- መልሲ ኽትህብ ከለኻ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐም። ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 2002 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 17-18 ኣብ ትሕቲ እቲ “ነቲ እንምህሮ ሓቂ ፍቕርና ምርኣይ” ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ተመርኲስካ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ሰማዕቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕቶ ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም። ሓደ ኣስፋሒ ነታ ምምርማር እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ተጠቒሙ: “ልደት ዘይተብዕሉ ስለምንታይ ኢኹም፧” ኢሉ ንዝሓተቶ መሳርሕቱ ቕዱስ ጽሑፋዊ መልሲ ኺህቦ ኸሎ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 21 (191)ን መዕጸዊ ጸሎትን