ሓድሽ መደብ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ
ቀዳሞት ክርስትያናት ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ብምርካብ: ነቲ ብስራት ብእተኻእሎም መጠን ኣብ ኵሉ ቦታ ንምእዋጅ ብዙሕ እዮም ጽዒሮም። (ግብ. 1:8፣ ቈሎ. 1:23) ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ መሰኻኽር የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቕንኣት እዮም ዜንጸባርቑ ዘለዉ። እቲ “ብዕዮ እቲ ቓል ጽንዑ” ዘርእስቱ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2007 ዚውሰድ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ: ንፉዓት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡውን ቀናኣት ሰበኽቲ ንኽንከውን ኬተባብዓና እዩ።—ግብ. 18:5
እቲ “ንምትጋህ ኣይትተሀከዩ” ከምኡውን “እቲ ቓል ሓቂ ብቕኑዕ ኣማቕሉ” ዘርእስቱ ናይ መእተዊ ኽፍልታት ነቲ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮና ብናይ ህጹጽነት መንፈስ ንኽንፍጽም ኬዕጥቐና እዩ። እቲ በጻሒ ተዛራባይ ዜቕርቦ “ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ሓይሊ ወትሩ ተጠቐሙሉ” ዘርእስቱ ናይ መጀመርታ መደረኡ: ቃል ኣምላኽ “ንምቕናዕ” ዚጠቅም ምዃኑ ኼጕልሕ እዩ። (2 ጢሞ. 3:16, 17) ኣብ መዓልታዊ ናብራና ኻብ መፈንጠራታት ብኸመይ ከም እነምልጥን መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ብኸመይ ከም እንጥቀምን ኪገልጸልና እዩ።
መንእሰያትን ሓደስትን መንፈሳዊ ግስጋሰ ኺገብሩ ንምሕጋዝ ቃል ኣምላኽ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧ እዚ ነጥቢ እዚ ኣብቲ ደድሕሪ እቲ ጽማቝ ሓሳባት ግምቢ ዘብዐኛ ስዒቡ ዚቐርብ ክልተ ኽፍልታት ኪቐርብ እዩ። ኵሎም ተኣከብቲ በቶም ናብራ ህይወቶም ብቕዱሳት ጽሑፋት ንጽቡቕ እተጸልወ ቓለ-መጠይቕ ዚግበረሎም ኣሕዋት ኪተባብዑ እዮም። ኣብ መወዳእታ ኸኣ እቲ በጻሒ ተዛራባይ ዜቕርቦ “ብዕዮ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ‘ጽኑዓት ኩኑ’” ዚብል ናይ መደምደምታ መደረ: ብዕዮ እቲ ቓል ንኽንጸንዕ ኬተባብዓና እዩ።
እቲ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባና ንቓል ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ ንኸነዕብን ብቕንኣት ንኽንሰብኮን ኪሕግዘና እዩ። ካብዚ ንኽንጥቀም ሃየ እምበኣር ኵላትና ኣብኡ ንካፈል!