ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ወርሒ ነሓሰ:- ብሮሹራት። መስከረም:- መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር። ጥቅምቲ:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ!። ተገዳስነት ኪርከብ ከሎ: ዝያዳ ተገዳስነት ንምዅስኳስ ነታ ንቑሕ ኩን! ዘርእስታ ብሮሹር ተጠቐሙ። ሕዳር:- ነታ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ ኣበርክቱ።
◼ ዓመታዊ ፍቕዲ እቲ ኣብ መኽዘን ዘሎ ጽሑፋትን መጽሔታትን ኣብ 31 ነሓሰ 2006 ወይ ብእተኻእለ መጠን ካብዚ ዕለት እዚ ኸይረሓቐ ኺግበር ኣለዎ። እዚ ፍቕዲ እዚ ምስቲ እቲ ኣተሓባባሪ ጽሑፋት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዚገብሮ ምፍቃድ ዚመሳሰል እዩ: እቲ ድምር ድማ ኣብቲ ናይ ጽሑፋት ዝርዝር መፍቀዲ (S-18) ፎርም ኪምዝገብ ኣለዎ። ጠቕላላ ድምር እቲ ኣብ መኽዘን ዘሎ መጽሔታት ካብ ናይ መጽሔት ኣገልገልቲ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ኺርከብ ይከኣል እዩ። እቲ ናይታ ኣተሓባባሪት ጉባኤ ጸሓፊ ነቲ ፍቕዲ ኺቈጻጸሮ ይግባእ። ንሱን እቲ ኣስተናባሪ ሓላዊ እታ ኣተሓባባሪት ጉባኤን ነቲ ፎርም ይፈርሙሉ። ነፍሲ ወከፍ ኣተሓባባሪት ጉባኤ ሰለስተ ቕዳሕ ናይ ጽሑፋት ዝርዝር መፍቀዲ (S-18) ፎርም ክትቅበል እያ። በጃኹም ነቲ ቐንዲ ቕዳሕ ክሳዕ 6 መስከረም ከይደንጐኹም ናብ ውድብ ልኣኽዎ። ናይ ካርቦን ቅዳሕ ኣብ መዛግብትኹም ሓዙ። እቲ ሳልሳይ ቅዳሕ ከም መስርሒ ዀይኑ ኼገልግል ይኽእል እዩ።
◼ እቲ ኣስተናባሪ ሓላዊ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሓው 1 መስከረም ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ኪምርምሮ ኣለዎ። ንመጸገኒ ወይ ንመስርሒ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተባሂሉ እተፈልየ ናይ ባንክ ሕሳብ እንተሎ: እዚ ሕሳብ እዚ እውን ኪምርመር ኣለዎ። እቲ ሕሳብ ምስ ተመርመረ: ኣብ ቀጻሊ ግዜ ዚህሉ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ነታ ጉባኤ ምልክታ ኺንገራ ኣለዎ።
◼ ስሩዕ ፈላሚ ንምዃን ዚቐርብ መመልከቲ ፎርም እንተ ወሓደ 30 መዓልቲ ቕድሚ እቲ ኺጅምረሉ ዚሕተት ዘሎ ዕለት ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪለኣኽ ኣለዎ። እቲ ጸሓፍ ጉባኤ እቲ ፎርም ብግቡእ ከም እተመልአ ንምርግጋጽ ኪርእዮ ኣለዎ። እቶም ኣመልከትቲ እተጠመቕሉ ዕለት ብልክዕ ኪዝክርዎ እንተ ደኣ ዘይክኢሎም: ብግምት መዓስ ምዃኑ ኺመልኡ: ነታ ዕለት ድማ ኪምዝግብዋ ኣለዎም። እቲ ጸሓፊ ነታ ዕለት ኣብ መዝገብ ኣስፋሒ ጉባኤ (S-21) ኬስፍራ ኣለዎ።
◼ ጸሓፍቲ ጉባኤ ንነፍሲ ወከፍ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ስሩዕ ፈላሚ ዚኸውን ፈላሚ ዚሸየመሉ ደብዳበ (S-202) ኪሕዙ ኣለዎም። ዘይብሎም እንተደኣ ዀይኑ: ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይጽሓፉ።
◼ ጉባኤታት በቲ ዚቕጽል ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ፎርም ገይረን ናይ 2007 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2007: ከምኡውን ናይ 2007 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሕታት ኪጅምራ ኣለወን።
◼ ኣብ መኽዘን ዝመጸ ሓድሽ:- ትግርኛ:- ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም (ናይ ጥምቀት ሕቶታት ዚሓዘት ንእሽቶ መጽሓፍ)፣ ቻይንኛ:- ክርኤሽን፣ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧፣ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት፣ T-20 (መጸናንዒ)፣bi-12፣ እንግሊዝኛ:- ጥሙር ጥራዛት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! 2005፣ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብmp3፣ ፈረንሳይኛ:- ናይ 2006 ዓመት መጽሓፍ።
◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ዝመጸ:- ስዋሂሊ:- T-27 (እዚ ዅሉ መከራ ዜብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ!)፣ ትግርኛ:- ትንቢት ዳንኤል፣ ንየሆዋ ቕረቦ፣ hw (ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን)፣ ብቕዓት፣ sb-29 (ናይ መዝሙር መጽሓፍ)፣ ኣምሓርኛ:- ንየሆዋ ቕረቦ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧፣ ራእይ፣ ስፕሪትስ ኦቭ ዘ ዴድ፣ እንግሊዝኛ:- ንየሆዋ ቕረቦ፣ ክርኤተር፣ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧፣ ራእይ፣ ኮንኮርዳንስ፣ ኢንደክስ 30-85፣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት፣ ማንካይንድ ሰርች፣ ጋይዳንስ ኦቭ ጎድ፣ ጂሆቫስ ዊትነስስ ኤንድ ኢጁኬሽን፣ ንቑሕ ኩን!፣ ኤ ሳቲስፋይን ላይፍ፣ ሮድ ቱ ላይፍ፣ በነፊት ፍሮም ቲኦክራቲክ ሚኒስትሪ ስኩል ኢጁኬሽን፣ ናይ መዝሙር መጽሓፍ (ንእሽቶ)፣ ፈረንሳይኛ:- ብቕዓት፣ bi-12።