ናይ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ድግማ
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 28 ነሓሰ 2006 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብቓል ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ኻብ 3 ሓምለ ኽሳዕ 28 ነሓሰ 2006 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርአ።]
ባህርይ ዘረባ
1. እተዋጽአ ጽሑፍ ተጠቒምካ መደረ ምሃብ ክትለማመድ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧ [ht ገጽ 44 ቍ. 10]
2. ኣብ ንባብ ሰጋእመጋእ ንኸይትብል እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ [ht ገጽ 47 ቍ. 7]
3. ኣብ ኣመዓባብላ ርትዓዊ ሓሳባት: ኪሰዓብ ዘለዎ መሰረታዊ መገድታት እንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 55 ቍ. 11]
4. ከም ተዛራባይ መጠን እንታይ ንዚብል ሕቶ ንምምላስ ኢኻ ዅሉ ግዜ ቕሩብ ናይ ምዃን ግዴታ ዘሎካ፧ [ht ገጽ 59 ቍ. 7]
5. ኣብ መብዛሕትኡ መደረታት: ንሓደ ነጥቢ ምስቲ ኻልእ ንምውህሃድ እንታይ የድሊ፧ [ht ገጽ 53 ቍ. 2]
ክፍሊ ቍ. 1
6. ኣብ መድረኽ ኴንና መደረ ኸነቕርብ ከለና: ባህርያዊ ኣዘራርባ ኸም ዝጐድለና ዚገብር ረቛሒታት እንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 48 ቍ. 12]
7. ሓደ ሰብ ለባም ወይ ዓሻ ምዃኑ ዚውስኖ እንታይ እዩ፧ (ምሳ. 14:2) [w04 15/11 ገጽ 26 ሕጡብ ጽሑፍ 5]
8. ‘ነእምሮኛ ፍልጠት ዘይሽግሮ’ ስለምንታይ እዩ፧ (ምሳ. 14:6) [w04 15/11 ገጽ 28 ሕጡብ ጽሑፍ 4-5]
9. ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንኸነረድእ ግቡእ መሰረት ከነንብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ [ht ገጽ 58 ቍ. 3-4]
10. ብዛዕባ ግብርታት የሆዋ ምስትንታን ብኸመይ እዩ ዚጠቕመና፧ [w04 15/11 ገጽ 8 ሕጡብ ጽሑፍ 4]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
11. ኣብ ግዜ ጥንቲ: ብዙሓት ‘ኣንስቲ ብስራት ንኺእውጃ’ የሆዋ ‘ትእዛዙ ዝሃበ’ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ ኣብዚ ግዜ እዚ ዚዓዪ ብኸመይ እዩ፧ (መዝ. 68:11 ትርጕም 1990)
12. ንኣሳፍ ቅኑዕ ምግባር ዳርጋ ኸም ዚገድፍ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ ኣተሓሳስባኡ ዘተዓራረየኸ ብኸመይ እዩ፧ (መዝ. 73:2, 3, 17)
13. እቲ ንእስራኤላውያን ዚውሃቦም ዝነበረ ማና: “እኽሊ ሰማይ” ከምኡውን “ናይ መላእኽቲ እንጌራ” እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧ (መዝ. 78:24, 25)
14. “ጸግዒ [“ምስጢራዊ ቦታ:” NW] እቲ ልዑል” እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኢና ኣብኡ ‘ኽንሓድር’ እንኽእል፧ (መዝ. 91:1, 2)
15. ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር ዝዀነ በየናይ መገዲ እዩ፧ (መዝ. 116:15)