ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/06 ገጽ 2
  • መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 10 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 17 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 24 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 31 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 7 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
km 7/06 ገጽ 2

መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት

10 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 29 (222)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ነተን ናይ 1 ሰነ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ሰነ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያታት እዚ: ነቲ “ኣብዚ ዘሎና ኣመንቲ ክርስትና ኢና” ዚብል ኰላፊ ዘረባ ብኸመይ ከም እትምልሰሉ ኣርኢ።—ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ገጽ 11

15 ደቒቕ:- እታ ጉባኤ ብኸመይ ከም እተወደበትን እተመሓደረትን። ኣብ ምዕራፍ 4 እታ ኦርጋናይዝድ ቱ ዱ ጂሆቫስ ዊል ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን።

20 ደቒቕ:- “ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ባህርያት የሆዋ ሞሳ ኼርእዩ ሓግዞም።”* ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ 1 እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ዘሎ ናይ ድግማ ሳጹን ዚርከብ ነጥብታት ኬስተንትነሉ ንኽትሕግዞ: ብኸመይ ሕቶታት ከም እትጥቀም ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።

መዝሙር 6 (45)ን መዕጸዊ ጸሎትን

17 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 17 (187)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 32 ዘሎ ሓሳባት ኣሕጽር ኣቢልካ ኣቕርብ። ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ዀነ ኻብቲ ልሙድ መዓልታዊ ናብራና ውጽእ ኣብ ዝበለ ንጥፈታት ኣብ እንጽመደሉ ግዜ እውን ከይተረፈ: ስሩዕ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምህላው ዘለዎ ጥቕምታት ኣጕልሕ።

15 ደቒቕ:- ፍቕርን ትሕትናን—ንኣገልግሎት ኣዝየን ኣድለይቲ ዝዀና ባህርያት። ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 2002 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 18-20 ቍ. 13-20 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ።

20 ደቒቕ:- “ነቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ምሰሎ።” ሰማዕቲ ኣብ ክሎም ኣብ ዚገብርዎ ኣገልግሎት ሕጉስ ገጽን ኣወንታዊ ኣረኣእያን ኪህልዎም ዝሓገዞም እንታይ ምዃኑ ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም።

መዝሙር 16 (143)ን መዕጸዊ ጸሎትን

24 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 2 (15)

12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣመልኪቱ ኻብ ማሕበር ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ነተን ናይ 15 ሰነ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ሰነ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ኣብ መዛዘሚ ነፍሲ ወከፍ መርኣያ: ተገዳስነት እቲ ብዓል ቤት ንምልዕዓል እተገብረ ናይ መእተዊ ሓሳባት ደጊምካ ጥቐስ።

20 ደቒቕ:- “‘ምድሓን ቀሪቡ’ ዘርእስቱ ናይ 2006 ናይ ኣውራጃ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር።” ብናይ ጉባኤ ጸሓፊ ዚቐርብ። ንቝጽሪ ሓደ ምስ ተመያየጥኩምላ ጉባኤኹም እተመደበትሉ ኣኼባ ኣውራጃ መዓስ ምዃኑ ጥቐስ። ኵሎም ነዚ ዓብዪ ኣኼባ እዚ ኣቐዲሞም መሰናድዎ ኺገብሩ ኣተባብዓዮም።

13 ደቒቕ:- ጽኑዓት: ዘይትነቓነቑ ኹኑ። (1 ቈረ. 15:58) ንነዊሕ ዓመታት ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ንዘገልገሉ ኽልተ ወይ ሰለስተ ኣስፋሕቲ ወይ ፈለምቲ ቓለ-መጠይቕ ግበረሎም። ሓቂ ብኸመይ ፈሊጦም፧ ምስባኽ ኪጅምሩ ኸለዉ ኣገልግሎት ከመይ ነይሩ፧ እንታይ ጸገማት ኣጋጢምዎም፧ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ጸኒዖም ብምቕጻሎም እንታይ በረኸት ረኺቦም፧

መዝሙር 22 (130)ን መዕጸዊ ጸሎትን

31 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 15 (127)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ሓምለ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺህቡ ኣዘኻኽሮም። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዚዕደል ጽሑፋት ሓብር።

15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ።

20 ደቒቕ:- “ጽቡቕ ልማድ ኣማዕብል: ብዙሕ በረኸት ድማ ዕጸድ።”* ሰማዕቲ ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ንኺምስርቱን ንኼማዕበሉን እንታይ ጻዕርታት ከም ዝገበሩ: ከም ውጽኢቱ ድማ እንታይ በረኸት ከም ዝረኸቡ ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም።

መዝሙር 18 (162)ን መዕጸዊ ጸሎትን።

7 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 4 (43)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዚወጽእ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ብኸመይ ምስቲ ኽሊ ኸም ዚሰማማዕ ጌርና ኸም እንጥቀመሉ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ።—ናይ ጥሪ 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 8 ርአ።

15 ደቒቕ:- ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ዜነቓቕሕ ኣኼባታት። ኣብ ናይ 15 መጋቢት 2002 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 24-5 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ። ሓደ ኣስፋሒ ኣብ ኣኼባታት ኣዘውቲሩ ንኺካፈል እንታይ ጻዕርታት ከም ዝገበረን ከምኡ ብምግባሩ ድማ እንታይ በረኸት ከም ዝረኸበን ዜጕልሕ ሕጽር ዝበለ ቓለ-መጠይቕ ግበር።

20 ደቒቕ:- ኣብ ኣገልግሎት ገስገስትን ተዓጻጸፍትን ኩኑ። ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 2005 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 28-30 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ኣብቲ ኻብ ቍጽሪ 6-11 ተመርኲስካ እተቕርቦ መደረ: ጳውሎስ ኣብ ምስባኽን ምምሃርን ብኸመይ ትኩር: ተዓጻጻፊ: ከምኡውን ብልሂ ኸም ዝነበረ ኣጕልሕ። ብድሕሪኡ: ሰማዕቲ ነቲ ኻብ ቍጽሪ 12-14 ዘሎ ሕቶታት ሓሳባት ኪህቡሉ ዓድሞም፣ ኣብቲ ኸባቢኹም ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዜውዕልዎ ድማ ግለጽ። ኣስፋሕቲ ንድሌት: ኵነታት: ከምኡውን ባህላዊ ድሕረ-ባይታ እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው ኣቀራርባኦም ብኸመይ ምስቶም ሰባት ኬሰማምዕዎ ኸም ዚኽእሉ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።

መዝሙር 20 (93)ን መዕጸዊ ጸሎትን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ