ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/06 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 13 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
  • 20 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
  • 27 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
  • 6 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
km 2/06 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

13 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 21 (191)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ነተን ናይ 1 ታሕሳስ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 8 ታሕሳስ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያታት እዚ: ሓደ ኣስፋሒ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኪምስክር ከሎ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።

10 ደቒቕ:- ምስ ማሕበር የሆዋ ማዕረ ማዕረ ትስጕምዶ ኣለኻ፧ ኣብታ ኦርጋናይዝድ ቱ ዱ ጂሆቫስ ዊል ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 7-10 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ።

25 ደቒቕ:- “ሰባት ናብቲ ‘ብርሃን ዓለም’ ከም ዜቕልቡ ግበር።” ብናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዚቐርብ። ዝርዝር ስማት እቶም ሓገዝቲ ፓይነራት ዝዀኑ ኣንብብ። ንናይ ወፍሪ ኣገልግሎት እተገብረ ተወሳኺ ምድላዋት እንተሎ ሓብሮም። ኣብ ናይ ለካቲት 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ገጽ 5 ዘሎ ብዛዕባ ሓጋዚ ፓይነር ክትኰነሉ እትኽእል መዳባት ዚገልጽ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ።

መዝሙር 28 (224)ን መዕጸዊ ጸሎትን

20 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 23 (200)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:- “ንኽትሰብኽ ዜኽእለካ ኣጋጣሚታት ፍጠር።” ንሓደ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ዚነብር ሓው ወይ ሓብቲ: ምስክርነት ኪህብ ዜኽእሎ ኣጋጣሚ ብኸመይ ከም ዝፈጠረ ሓሳብ ኪህብ ዓድሞ።

20 ደቒቕ:- “ፍጡን ረድኤት።” ብሽማግለ ዚቐርብ። ኣብ ናይ ሕዳር 1998 ከምኡውን ሕዳር 2000 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ሕቶ ሳጹናት ዚርከብ ሓሳባት ኣሕጽር ኣቢልካ ኣቕርብ።

መዝሙር 26 (212)ን መዕጸዊ ጸሎትን

27 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 18 (162)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ከምኡውን ካብ ማሕበር እተላእከ ናይ ምስጋና ደብዳበ ኣንብብ። ኣስፋሕቲ ናይ ለካቲት ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ኪህቡ ኣዘኻኽሮም። እቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነተን ናይ 15 ታሕሳስ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 22 ታሕሳስ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ።

10 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ።

25 ደቒቕ:- ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ክንዕድለሉ እንኽእል መገድታት። ኣብ ወርሒ መጋቢት ነዛ ሓዳስ መጽሓፍ እዚኣ ኽንዕድላ ኢና። ነቲ ኣብ ናይ ጥሪ 2006 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ገጽ 3-6 ዘሎ ኣቀራርባ ተጠቒምካ: ምስቲ ዞባኹም ዚሰማማዕ ኣቀራርባ ብመርኣያ ኣቕርብ። ሰማዕቲ ነዛ ሓዳስ መጽሓፍ እዚኣ ተጠቒሞም ዝረኸብዎ ፍልይ ዝበለ ተመክሮታት: ብፍላይ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጀመርሉ ሰብ እንተ ሃልዩ ብዛዕባኡ ኼዘንትዉ ዓድሞም።

መዝሙር 6 (45)ን መዕጸዊ ጸሎትን

6 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 7 (51)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ትራክትታት ብቐሊሉ ኽትሕዞ እትኽእልን ሰሓብን ስለ ዝዀነ ኻብ ቤት ናብ ቤትን ኣብ ህዝባዊ ቦታታትን ክንምስክር ከለና ኸምኡውን ናይ እግረ⁠-​መገዲ ምስክርነት ክንህብ ከለና: ዝርርብ ኣብ ምጅማር ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። በታ እዚ ዅሉ መከራ ዜብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ! ዘርእስታ ሓዳስ ትራክት ብኸመይ ዝርርብ ከም እተጅምር ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። ሓደ ኻብቲ ኣብ ገጽ 2 እታ ትራክት ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታት ኣጕልሕ።

15 ደቒቕ:- “ንኣገልግሎት ብምድላው ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ።” ክልተ ኣስፋሕቲ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ንኺዕድልዋ ኺዳለዉ ኸለዉ ዜርኢ ሓጺር መርኣያ ኣቕርብ። ካብቲ ኣብ ናይ ጥሪ 2006 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ዘሎ ኣቀራርባ መሪጾም: ብኸመይ ብናይ ገዛእ ርእሶም ኣበሃህላ ኸም ዚገልጽዎን ምስ ዞባኦም ከም ዜሰማምዕዎን ይመያየጡ። እቲ መርኣያ ነቲ ዘዳለውዎ ኣቀራርባ ዓው ኢሎም ንኺለማመዱሉ ኺቀራረቡ ኸለዉ ይውድእ።

20 ደቒቕ:- “ብዚርአ ነገራት ጌርካ ምሃር።” ንነፍሲ ወከፍ ኣብታ ዓንቀጽ ተጠቒሰን ዘለዋ ቪድዮታት ክትመያየጠለን ከለኻ: ገበር እታ ቪድዮ ብምርኣይ ብዛዕባ እቲ ትሕዝቶኣ ዚገልጽ ኣብቲ ገበር ዘሎ ሕጽር ዝበለ ሓሳባት ኣንብብ። ሰማዕቲ ኣብ ኣገልግሎት ነዘን ቪድዮታት ብኸመይ ከም እተጠቕሙለን ተመክሮኦም ኪገልጹ ሕተቶም።​—⁠ናይ 1997 ዓመት መጽሓፍ ገጽ 54 ከምኡውን ናይ 1995 ዓመት መጽሓፍ ገጽ 50-1 (እንግሊዝኛ) ርአ።

መዝሙር 17 (187)ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ