ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ታሕሳስ:- እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ጥሪ:- ንቑሕ ኩን! ለካቲት:- ንየሆዋ ቕረቦ። መጋቢት:- ነታ “ንቑሕ ኩን” ዘርእስታ ብሮሹር ኣበርክት። ሰባት ናይ ሓቂ ተገዳስነት እንተደኣ ኣርእዮም ከኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ኢልካ ምስ መጽሓፍ “ፍልጠት” ኣላልዮም።
◼ ናይ 2006 በዓል ዝኽሪ መዓደሚ ወረቐት ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ብእትጥቀመሉ ቛንቋ ኣብ ቀረባ ግዜ ኺለኣኽ እዩ።
◼ ናይ 2007 በዓል ዝኽሪ: ሰኑይ 2 ሚያዝያ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኺበዓል እዩ። እዚ ኣቐዲሙ ብምልክታ ዚንገር ዘሎ: ኣቐዲሞም ዜድሊ ምድላዋት ምእንቲ ኺገብሩ እዩ።
◼ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ: ኣካል ሽማግለታት ናይ በዓል ዝኽሪ መደረ ዜቕርብ ሓው ኪመርጹ ኸለዉ ሓደ ኻብቶም ዝያዳ ብቕዓት ዘለዎም ሽማግለታት ኪመርጹ ደኣ እምበር በብተራ ኬቕርብዎ ወይውን ዓመት ዓመት ንሓደ ሓው ጥራይ ኪህብዎ ኣይግባእን። ካብቶም ቅቡኣት ክርስትያናት መደረ ኺህብ ዚኽእል ሽማግለ ምስ ዚህሉ: ነቲ መደረ ንሱ ኬቐርቦ ኣለዎ።