ናይ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 26 ታሕሳስ 2005 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብቓል ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣብቲ ኻብ 7 ሕዳር ክሳዕ 26 ታሕሳስ 2005 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርአ።]
ናይ ዝርርብ ነጥቢ
1. ኣብ ቅድሚ ሰብ ምዝራብ ንኽትለማመድ ኪሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 87 ቍ. 14]
2. ብመሰረቱ ግቡእ ዝዀነ ናይ ግዜ ንውሓት ንምርካብ እንታይ ምግባር የድሊ፧ [ht ገጽ 83 ቍ. 25]
3. ሓደ ሓው መደረ ኬቕርብ ከሎ ግዜ ምስ ዜሕልፍ: ኣብ መዕጸዊኡ እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧ [ht ገጽ 82 ቍ. 16]
4. ቀንዲ ዕላማ ናይ መዕጸዊ እንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 80 ቍ. 4]
5. ሓደ ተዛራባይ ኣብ ኣትራኖስ ኪምርኰስ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 90 ቍ. 26]
ክፍሊ ቝ. 1
6. ሰፕቱጀንት እንታይ እዩ: ንክርስትያናት ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧ [bsi05 ገጽ 15 ቍ. 12-14]
7. ማሶራውያን እንታዎት እዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምትርጓምከ ኸመይ ዝበለ ጕሉሕ ኣበርክቶ እዮም ገይሮም፧ [bsi05 ገጽ 18 ቍ. 18፣ ገጽ 19 ቍ. 20-21]
8. ነቲ ናብ እንግሊዝኛ እተተርጐመ ኽፋል ናይ እብራይስጢ ትርጕም ሓዳስ ዓለም መሰረት ዝዀነ ኣየናይ እዩ፧ እዚ ትርጕም እዚ ኣኽቢርካ ዚርአን ዜተኣማምንን እዩ ኺበሃል ዚከኣልከ ስለምንታይ እዩ፧ [bsi05 ገጽ 22 ቍ. 28፣ ገጽ 23 ቍ. 30]
9. ቀዳሞት ክርስትያናት ቃል ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ዘለዎም ሓያል ባህጊ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ [bsi05 ገጽ 23 ቍ. 1-ገጽ 24 ቍ. 5]
10. እቲ ኣብ ኢደ-ጽሑፋትን ካልእ ጽሑፋትን ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚግበር መጽናዕቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧ [bsi05 ገጽ 30 ቍ. 32]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
11. እቲ ዳዊት ቤተ መቕደስ ኪሰርሕ ከም ዘይተፈቕደሉ ዚገልጽ ጸብጻብ: የሆዋ ነቲ ዳዊት ዘካየዶ ውግኣት ከም ዘይሰምሮ ዜርኢ ድዩ፧ (1 ዜና 22:6-10)
12. ሰሎሞን ኣብቲ ነታ ቤተ መቕደስ ንየሆዋ ኺውፍያ ኸሎ ዘቕረቦ ጸሎት: የሆዋ ንድሌት ኣገልገልቱ ብደረጃ ጕጅለ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ንዕኡ ዚፈርህ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ዜድልዮ ነገራት እውን ከም ዚሓልየሉ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (2 ዜና 6:29, 30)
13. እታ ኣብ 2 ዜና መዋእል 11:15 ዘላ “ኽፉኣት መናፍስቲ” እትብል ሓረግ ንመን እያ ተመልክት፧
14. ባዕሳ (ባዔሻ) ‘ንኣሳ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ’ ስለ ዝነገሰን 24 ዓመት ጥራይ ስለ ዝገዝአን: ከመይ ጌርና ኢና ባዕሳ “ንመንግስቲ ኣሳ ኣብ መበል ሰላሳን ሹድሽተን ዓመቱ” ኣንጻር ይሁዳ ኸም ዝተንስአ ዚገልጽ ታሪኽ ምስቲ ኣብ መጀመርታ እተጠቕሰ ሓሳብ ከነሰማምዖ እንኽእል፧ (1 ነገ. 15:33፣ 2 ዜና 16:1)
15. ካልኣይ ዜና መዋእል 20:22, 23 ነዛ ናይ ሰይጣን ዓለም እንታይ ከም ዜጋጥማ ብንጹር እትገልጽ ብኸመይ እያ፧