ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/05 ገጽ 3
  • ብኸመይ ክንሕግዝ ንኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብኸመይ ክንሕግዝ ንኽእል፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዕዮ ረድኤት ይካፈሉ ድዮም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ‘ንየሆዋ ዚውሃብ ኣብ ኢድና ዘሎ ህያብ’
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ኣገልግሎት ረድኤት
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ብኸመይ ክትሕግዝ ትኽእል፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
km 11/05 ገጽ 3

ብኸመይ ክንሕግዝ ንኽእል፧

1 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ገሊኡ ኽፋል ዓለም ዕንወት ከም ዘጋጠመ ምስ ዚሰምዑ: መብዛሕትኡ ግዜ ዚሓትዎ ሕቶ “ብኸመይ ክንሕግዝ ንኽእል፧” ዚብል እዩ። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 11:27-30 ዘሎ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ: ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት: ኣብ ይሁዳ ጥሜት ስለ ዘጋጠመ: ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣሕዋት ረድኤት ሰዲዶምሎም እዮም።

2 ኣብዚ ግዜና: ማሕበርና እትመሓደረሉ ደንቢ: ንናይ ግብረ-ሰናይ ንጥፈታትን ነቶም ብባህርያዊ ይኹን ሰብ ብዜምጽኦ ዕንወት ኣብ መከራ ዚርከቡ ኣሕዋትን ሓገዝ ገንዘብ ኪግበር ዜፍቅድ እዩ።

3 ንኣብነት: ዓሚ ብዙሓት ኣሕዋት ነቶም ብሱናሚ ዚበሃል ማዕበል ዕንወት ዝወረዶም ኣብ ደቡብ እስያ ዚርከቡ ኣሕዋት ዚኸውን ሓገዝ ገይሮም እዮም። እቲ ወፈያታት ናብ ማሕበር ብምስዳድ ዘርኣይዎ ልባዊ ምላሽ ኣዝዩ ዚምስገን እዩ። ይኹን እምበር: እቲ ዚግበር ወፈያ ናብ ሓደ ፍሉይ ዘጋጠመ ዕንወት ጥራይ ተባሂሉ ዚስደድ እንተደኣ ዀይኑ: እቲ ነቶም ኣሕዋት ዜድልዮም ሓገዝ ይማልኣሎም ኣይማልኣሎም ብዘየገድስ: እቲ ገንዘብ ኣብ እተወሰነ ናይ ግዜ ገደብን ኣብቲ እቲ ዝወፈየ ኣካል ዚደልዮ መዓላን ኪውዕል ሕጊ ናይ ገሊአን ሃገራት ይግድድ እዩ።

4 ስለዚ: እቲ ንግብረ-ሰናይን ረድኤትን ኢልካ ዚግበር ወፈያ ንዓለምለኻዊ ዕዮ እንተ ተወፈየ ይሓይሽ። እዚ ማዕከን እዚ ንናይ ረድኤት ሓገዛትን ነቲ ንክርስትያን ኣሕዋት ብመንፈስ ዜድልዮምን ንምምላእ እዩ ዚውዕል። ሓደ ሰብ ብሓድሓደ ምኽንያታት ካብ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ወጻኢ ናይ ረድኤት ወፈያ ኺህብ ምስ ዚደሊ እውን ወፈያኡ ተቐባልነት ኣለዎ። ኣብቲ ናይ ረድኤት ሓገዝ ዜድልየሉ ድማ ኪውዕል እዩ። ይኹን እምበር: እቲ ዚግበር ወፈያታት ኣበይን ብኸመይን ከም ዚውዕል ዚገልጽ ቀይድታት እንተ ዘይተገብረሉ ዝያዳ ይምረጽ።

5 ወፈያና ብቐጥታ ናብ ዓለምለኻዊ ዕዮ ምስ እንሰዶ: ንናይ ረድኤት ሓገዝ ተባሂሉ ጥራይ ተኸዚኑ ኣብ ክንዲ ዚተርፍ: ኣብቲ ምስ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ ኵሉ መዳያት ኣገልግሎት ኪውዕል ይኽእል እዩ። እቲ ዜድሊ ንምምላእ ሓቢርና ምስ እንዓዪ: ኸምቲ ኣብ ኤፌሶን 4:16 ዘሎ ‘ነቲ ስጋ ብፍቕሪ እናተሃንጸ ኸም ዚዓቢ’ ኽንገብር ንኽእል ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ