ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/05 ገጽ 3
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
km 11/05 ገጽ 3

ምልክታታት

◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ሕዳር:- ፍልጠት። ታሕሳስ:- ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ። ጥሪ:- ንቑሕ ኩን! ለካቲት:- ንየሆዋ ቕረቦ።

◼ እቲ ብቸክ ዚወሃብ እሞ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚርከብ ንዓለምለኻዊ ዕዮን ንማዕከን ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽን እተዳለወ ናይ ወፈያ ሳጹን ዚኣቱ ወፈያ: ን“የይሖዋ ምሥክሮች” ዚኽፈል ምዃኑ ኺጸሓፈሉ ይግባእ።

◼ እታ ትራንስፍዩዥን ኦልተርነቲቭ ሄልዝ ኬር—ሚቲንግ ፔሸንት ኒድስ ኤንድ ራይትስ ዘርእስታ ቪድዮ ኣብ ጥሪ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ኽትርአ እያ። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ: ጉባኤታት እዛ ቪድዮ እዚኣ ኽትመጸን ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ኪሓታ ይኽእላ እየን።

◼ ግዝያውያን ፍሉያት ፓይነራት:- እቶም ካብ መጋቢት ክሳዕ ግንቦት ግዝያዊ ፍሉይ ፓይነር ኴንካ ኣብ ዚግበር ናይዚ ዓመት እዚ ናይ ፍሉይ ዞባታት ወፈራ ኺካፈሉ ዝደልዩ ስርዓታውያን ፓይነራት ወይ ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ: ብናይ ጉባኤኦም ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ኣቢሎም ምልክታ ኺልእኩ ጻውዒት ይቐርበሎም ኣሎ። ኣብቲ ምልክታ ነዚ ዚስዕብ ሓበሬታ ኺጠቓለል ኣለዎ:- 1) ስም፣ 2) ዕለት ልደት፣ 3) ዕለት ጥምቀት፣ 4) ስም እታ ጉባኤ፣ 5) ንጽል ወይስ ብዓል ሓዳር፣ 6) እትኣልዮም ሰባት እንተ ሃልዮም፣ 7) እትፈልጦ ቛንቋታት፣ 8) ድሕሪኡ ፍሉይ ፓይነር ኴንካ ኽትቅጽል ትደሊ እንተደኣ ዄንካ። ድሕርዚ እቶም ናይታ ጉባኤ ንብቕዓት እቲ ኣመልካቲ ሓሳብ ይህቡሉ እሞ ነታ ደብዳበ ኽሳዕ 31 ታሕሳስ 2005 ምእንቲ ኽትበጽሕ ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ይልእክዋ። ቀናኣት ሰበኽቲ ኸምኡውን ትጉሃትን ኣፍረይትን ዓየይቲ ኢና እንደሊ ዘሎና። ኣብ ኣገልግሎት ሓያል ጐድኑ እንታይ እዩ፧ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸደ ዞባታት ዚሽፍን ቀናእ ሰባኺ ድዩ፧ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር ኣርዚኑ ድዩ ዚርእዮ፧ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምራሕ ብቑዕ መምህር ድዩ፧ ምስ ካልኦት ብሰላም ኪዓዪ ዜኽእሎ ፍረ መንፈስ የፍሪ ኣሎ ድዩ፧ ነዚ ሰብ እዚ: ኣብዚ ቕዱስ ኣገልግሎት እዚ ኺሳተፍ ተቐቢልኩምዎ ዲኹም፧ ነቲ ኣመልካቲ እንተ ዘይተቐቢልኩምዎ: ነቲ ምልክታ ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ምልኣኽ ኣየድልን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ ውሳነኹም ክትነግርዎን ብሕያውነት ምኽሪ ኽትህብዎን ኣለኩም። ውሳነ ምስ ገበርና: ነቶም ብቑዓት ዝዀኑ በብጉባኤኦም ኣቢልና ኸነፍልጦም ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ