ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
14 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 2 (15)
10 ደቒቐ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተወስደ ምልክታታት። እቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነተን ናይ 1 መስከረም ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 8 መስከረም ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ካልእ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣቀራርባ ምጥቃም እውን ይከኣል እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መርኣያ: “ተገዳስነት የብለይን” ንዚብል ኰላፊ ዘረባ ብኸመይ ከም እትምልሰሉ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።—ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ገጽ 8-9 ርአ።
15 ደቒቕ:- ልቢ የሆዋ ዜሐጕስ ወፈያታት። ኣብ ናይ 1 ሕዳር 2005 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 26-30 ተመርኲስካ ብሽማግለ ዚቐርብ መደረ። እዛ ሕታም እንተ ዘይብልኩም: ነታ ኣብ ናይ 1 ሕዳር 2004 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 19-23 ዘላ “ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ ትፈልጦዶ፧” እትብል ዓንቀጽ ተጠቐም።
20 ደቒቕ:- “ክብሪ የሆዋ ኣዘንቱ።” ንቝጽሪ 4 ኽትመያየጡላ ኸለኹም: እቶም ሰማዕቲ: ጽቡቕ ኣካይዳ ምስክርነት ንምሃብ መገዲ ብኸመይ ከም ዚኸፍት ዚገልጽ ሕጽር ዝበለ ተመክሮ ኼዘንተዉ ዓድሞም።
መዝሙር 16 (143)ን መዕጸዊ ጸሎትን
21 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 21 (191)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
20 ደቒቕ:- ንየሆዋ: ኣምላኽካ ግበሮ። ኣብ ናይ 1 ሚያዝያ 2005 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 25-8 ተመርኲስካ ብሽማግለ ዚቐርብ መደረ። ነቲ ኻብ ኣብርሃምን ዳዊትን ኤልያስን እንረኽቦ ትምህርትታት ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እነውዕሎ ግለጽ።
15 ደቒቕ:- “መስተብሃሊ ብምዃን ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ።” ሓደ ኣስፋሒ ንሓደ ብዓል ቤት ተገዳስነቱ ኣብ ምንታይ ምዃኑ ብምስትብሃል ሓሳባቱ ምስቲ ዅነታት ብምስምማዕ ኪምስክርሉ ኸሎ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 29 (222)ን መዕጸዊ ጸሎትን
28 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 15 (127)
12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ከምኡውን ካብ ማሕበር እተላእከ ናይ ምስጋና ደብዳበ ይንበብ። ኣስፋሕቲ ናይ ሕዳር ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ኪህቡ ኣዘኻኽሮም። እቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነተን ናይ 1 መስከረም ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 15 መስከረም ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ካልእ ኣብ ክውንነት እተመሰረተ ኣቀራርባ ምጥቃም እውን ይከኣል እዩ። ብዛዕባ ወፈያ ጥቐስ።
15 ደቒቕ:- “ብኸመይ ክንሕግዝ ንኽእል፧” መደረ። ነቶም ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ዚርከቡ ኣሕዋትና ረዲኤት ንምሃብ ብኣገልገልቲ የሆዋ እተገብረ ምድላው ዚገልጽ ሒደት ኣብነታት ጥቐስ። (ናይ 8 ነሓሰ 2003 (እንግሊዝኛ) ገጽ 10-15፣ ናይ 22 ሕዳር 2002 (እንግሊዝኛ) ገጽ 19-24፣ ከምኡውን ናይ ጥሪ-መጋቢት 2002 ገጽ 23-7 ንቕሑ! ተወከስ። ካልእ መወከሲታት እውን ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።) ብድሕርዚ: ነቲ ኣብ ገጽ 3 እዛ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዚርከብ ቀንዲ ነጥብታት ኣቕርብ። ዝዀነ ናይ ግብረ-ሰናይን ረዲኤትን ሓገዝ ንምሃብ ወፈያ ኺገብር ዚደሊ ሰብ: ናብ ዓለምለኻዊ ዕዮ ኺውፊ ዝያዳ ኸም ዚምረጽ ኣጕልሕ።
18 ደቒቕ:- ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ብስራት ምስባኽ። መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ኣብተን ሓሙሽተ ደቒቕ ናይ መኽፈቲ መደረኻ ነዚ ዚስዕብ ኣብታ “ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ” እትብል ኣብ ናይ ጥሪ 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 6 adjእትርከብ ዓንቀጽ ዘሎ ነጥብታት ኣሕጽር ኣቢልካ ድገሞ:- (1) ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ብናይ ገዛእ ርእስና ኣበሃህላ ንብሎ እንተደኣ ዄንና: ኣብ ኣገልግሎት መብዛሕትኡ ግዜ ኣስለጥቲ ኽንከውን ንኽእል ኢና። (2) መመዛዘንቲ ኽንከውንን ኣቀራርባና ወትሩ በቲ ኣብ ዞባና ተቐባልነት ዘለዎ መገዲ ኸነቕርቦን ኣሎና። (3) ንድሕረ-ባይታን ኣተሓሳስባን እቶም ኣብ ዞባና ዘለዉ ሰባት ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና። (4) ንብምልእታ እታ ኽንመያየጠላ ደሊና ዘሎና ምዕራፍ ተጠንቂቕና ኸነንብባን ተገዳስነት ኬለዓዕል ዚኽእል ነጥብታት ክንደልየላን ኣሎና። (5) በቲ ኣብቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ዘሎ ኣገባብ ኣይንቕየድን ኢና። ኣስፋሕቲ ነቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዚዕደል ጽሑፋት ኪዕድሉ ኸለዉ: ነዚ ነጥብታት እዚ ብኸመይ ከም ዚጥቀምሉ ተመያየጠሉ። ካብቲ ኣብ ናይ ጥሪ 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ዘሎ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ወይ ካልእ ኣብቲ ዞባኹም ኣስላጢ ዝዀነ ኣቀራርባ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ሓደ ወይ ክልተ ኣቀራርባ ብመርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 4 (43)ን መዕጸዊ ጸሎትን
5 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 7 (51)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
15 ደቒቕ: ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
20 ደቒቕ:- “ኣገልግሎትና ዜጠቓልሎ ነገራት።” ንቝጽሪ 5 ኽትመያየጡላ ኸለኹም: ኣብ ናይ 15 ለካቲት 2004 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 32 ዘሎ ሓሳባት ወስኽ።
መዝሙር 9 (37)ን መዕጸዊ ጸሎትን