ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
12 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 4 (43)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተወስደ ምልክታታት። እቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነተን ናይ 1 ሓምለ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን 8 ሓምለ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ካልእ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣቀራርባ ምጥቃም እውን ይከኣል እዩ። እተን መርኣያታት እታ ሓንቲ ብሓደ ሽማግለ እታ ሓንቲ ድማ ብሓደ መንእሰይ ከም ዚቐርባ ግበር። ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መርኣያ ኣወንታዊ ጐድንታት እቲ ኣቀራርባ ጥቐስ።
20 ደቒቕ:- “ንግዜኻ ብጥበብ ተጠቐመሉ”* ሰማዕቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ብኸመይ ግዜ ኸም ዚምድቡ ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም። ንስድራቤታትን ኣስፋሕትን ነታ ናይ ግንቦት 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ዚኸውን ግዜ ንምምዳብ ኪጥቀሙላ ኣተባብዓዮም።
15 ደቒቕ:- “ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ።”* ኣብ ክፍሊ 1ን 2ን እዛ እታው እዚኣ እተመርኰሰ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ነቲ ኣብ ናይ ነሓሰ 2004 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 1 ዘሎ ሓሳባት እውን ክትውከስ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓሉ እዋን ብዚግባእ ምድላው ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ከምዚ ምግባር እንታይ የጠቓልል፧ ሰማዕቲ ነቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተዋህበ ሓሳባት ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዜውዓልዎ ኺገልጹ ዓድሞም። ብዛዕባ እታ ኣብቲ ቐዳማይ ገጽ እታ እታው ዘላ ጽልም ዝበለት ሳጹን ሓሳባት ብምሃብ መደረኻ ዛዝም።
መዝሙር 8 (53)ን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን
19 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 16 (143)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
20 ደቒቕ:- ዝሓለፈ ዓመት እንታይ ዓሚምና፧ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ: ኣብቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት እተዓመ ዜተባብዕ ነገራት ብምትኳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻብ የቕርብ። ስለቲ ዝገበርዎ ሰናይ ዕዮ ንኣዶም። ኣብ ዚመጽእ ዓመት ኪትኰረሉ ዚግባእ ሓደ ወይ ክልተ መዳያት ጥቐስ። ብዛዕባ ናይ ፓይነራት ንጥፈታት ሓሳባት ሃብ: ስለቲ ዝዓመምዎ ዕዮ ድማ ንኣዶም። ነቶም ዝዛሕተሉ ኣሕዋት ንምሕጋዝ ኣብ እተገብረ ጻዕሪ እተረኽበ ኣሳልጦ ግለጽ።
15 ደቒቕ:- “ንሓድሕድኩም ተሃናነጹ”* ሰማዕቲ ኻብ ናይ ካልኦት ፍቕራዊ ሓልዮት ብኸመይ ከም እተጠቕሙ ኺገልጹ ዓድሞም።
መዝሙር 11 (85)ን መዕጸዊ ጸሎትን
26 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 13 (124)
10 ደቒቐ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኻብ ማሕበር ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ። ኣስፋሕቲ ናይ መስከረም ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ኪህቡ ኣዘኻኽሮም።
15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
20 ደቒቕ:- መጽሔታት ተጠቒምካ ነቲ ብስራት ምክፋል። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ክንዕድል ኢና። ኣብ መእተዊ እቲ መደረ: ነቲ ኣብ ናይ ለካቲት 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 8 ቝጽሪ 3-6 ዘሎ: (1) ብሓንሳእ ኣበርክተን (2) ኣብ ሰሙን መጽሔታት እትዕድለላ ሓንቲ መዓልቲ መድብ (3) መጽሔታት ናይ ምዕዳል ወርሓዊ ሸቶ ኣውጽእ (4) ንዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ መጽሔታት ንምዕዳል ተጠቐመሉ ኸምኡውን (5) ነቲ ናይ ቀደም ሕታማት ብግቡእ ተጠቐመሉ ዚብል ነጥብታት ተመያየጠሉ። ግብራዊ ኣወዓዕላ እዚ ነጥብታት እዚ ግለጽ። ብድሕሪኡ እቲ ኣብ ገጽ 8 እዛ ሕታም ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እዚኣ ዘሎ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነተን ናይ 15 ሓምለ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 22 ሓምለ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ካልእ ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ኣቀራርባ ምጥቃም እውን ይከኣል እዩ። ብተወሳኺ: ሰማዕቲ ኣብቲ ነቶም ኣብ ዞባኹም ዘለዉ ሰባት ኪስሕብ ዚኽእል ተወሳኺ ዓንቀጻት እታ መጽሔት ከም ዜቕልቡ ግበር። በቲ ተወሳኺ ዓንቀጽ ተጠቒምካ ብኸመይ መጽሔት ከም እትዕድል ዜርኢ መርኣያ ድማ ኣቕርብ። ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መርኣያ ኣወንታዊ ጐድንታት እቲ ኣቀራርባ ጥቐስ።
መዝሙር 22 (130)ን መዕጸዊ ጸሎትን
3 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 9 (37)
5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
20 ደቒቕ:- “ካልኦት ካብ ልቢ ኺእዘዙ ሓግዝዎም”* ግዜ ኸም ዜፍቅዶ: ሰማዕቲ ነቲ ጥቕስታት ሓሳባት ኪህቡሉ ዓድሞም።
20 ደቒቕ:- ልቢ የሆዋ ምሕጓስ። (ምሳ. 27:11) ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ንነዊሕ እዋን ዘገልገሉ ሓደ ወይ ክልተ ኣሕዋት ቃለ-መጠይቕ ግበረሎም። ነፍሲ ወከፎም ንየሆዋ እዙዛት ኰይኖም ንኪቕጽሉ ዝሓገዞም ሓደ ወይ ክልተ ነጥብታት ኬካፍሉ ዓድሞም። ገለ ኻብቲ ኺጥቀስ ዚከኣል ነገራት: ከም ተጊህካ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ምግባር: ስርዓታዊ ዄንካ ኣኼባታት ምክፋል: ምስ እሙናት ኣሕዋት ምሕባር: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብምሉእ ነፍስኻ ምክፋል: ልባዊ ጸሎት ምቕራብ: ከምኡውን ዘይጥዑይ መዘናግዒታት ምውጋድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንተኣዛዝነቶም ኪፍትን ዚኽእል ከመይ ዝበለ ፈተናታት ኣጋጢምዎም: ነዚ ፈተናታት እዚ ብዓወት ኪዋጽእሉ ዝኸኣሉኸ ብኸመይ እዮም፧ እዙዛት ብምዃኖም ብኸመይ ተባሪኾም፧
መዝሙር 16 (143)ን መዕጸዊ ጸሎትን