ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/05 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 11 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 18 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 25 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 1 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
km 7/05 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

11 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 13 (124)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተወስደ ምልክታታት። እቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነተን ናይ 1 ግንቦት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 8 ግንቦት ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ካልእ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣቀራርባ ምጥቃም እውን ይከኣል እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መርኣያ: “ብስራሕ ትሑዝ እየ” ንዚብል ኰላፊ ዘረባ ብኸመይ ከም እትምልሰሉ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።—ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ገጽ 11 ርአ።

15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ።

20 ደቒቕ:- “ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት ምምስካር” ቍጽሪ 5 ኽትመያየጡላ ኸለኹም: ነቲ ኣብ ዞባኹም ኪዓዪ ዚኽእል ኣብ ናይ ሰነ 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 6 ዘሎ ሓሰባት ደጊምካ ርኣዮ።

መዝሙር 6 (45)ን መዕጸዊ ጸሎትን

18 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 20 (93)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 32 ዘሎ ሓሳባት ኣሕጽር ኣቢልካ ኣቕርቦ። ብዕረፍቲ ኣብ እንገሸሉ ግዜ ይኹን ካብቲ ልሙድ መዓልታዊ ናብራና ውጽእ ኣብ እንብለሉ ግዜ እውን ከይተረፈ ስርዓታዊ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምዕቃብ ዘለዎ ጥቕምታት ኣጕልሕ።

15 ደቒቕ:- “ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ—መበል 11 ኽፋል።” ሓደ መጽናዕቲ ዚመርሕ ሓው ምስቲ ሓድሽ ኣስፋሒ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ኪዳለዉ ኸለዉ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። ነቲ ኣብ ናይ መጀመርታ ርክቦም እተመያየጡሉ ነጥብታት ብምግምጋም ተመላሊስካ ምብጻሕ ኪገብሩ ኸለዉ ዚዘራረቡሉ ነጥቢ ይመርጹ። ሓጺር መእተዊ የዳልዉ: ኣብ ርእሲኡ እውን ኣብ መዛዘሚ ናይ ምይይጦም ዚሓትዎ ሕቶ ይቕርቡ። እቲ መርኣያ: ነታ ዘዳለውዋ ኣቀራርባ ኺለማመዱላ ኺጅምሩ ኸለዉ ይዛዘም።

20 ደቒቕ:- ካልኦት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪርድእዎ ሓግዞም። ኣብታ ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ ዘርእስታ መጽሓፍ ገጽ 24-5 ቍጽሪ 3-6 ተመርኲስካ ብሕቶን መልስን ዚግበር ምይይጥ። ነቲ ኣብኡ ዘሎ ንመጽናዕቲ ተባሂሉ እተዳለወ ሕቶታት ተጠቐም። ካብታ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ ዘርእስታ ብሮሹር ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ።

መዝሙር 22 (130)ን መዕጸዊ ጸሎትን

25 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 17 (187)

15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ከምኡውን ካብ ማሕበር እተላእከ ናይ ምስጋና ደብዳበ ይንበብ። እቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነተን ናይ 15 ግንቦት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 22 ግንቦት ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ካልእ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣቀራርባ ምጥቃም እውን ይከኣል እዩ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያታት እዚ: እዘን መጽሔታት እዚኣተን ንእግረ-መገድኻ ኣብ ዕዳጋ ወይ ኣብ ካልእ ህዝባዊ ቦታታት ብኸመይ ከም ዚዕዳላ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።

10 ደቒቕ:- ሓቂ ኣብ ኣልባብ ውሉዳትኩም ስረጹ። (ዘዳ. 6:7) ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 2002 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 30-1 ተመርኲስካ ብሽማግለ ዚቐርብ ዝርርብ። ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነት መጻምድቲ ዘላቶ ክርስትያን ወላዲ (ወላዲት) ብዛዕባ ንውሉዳቱ ምምሃር ዚምልከት መሰረታዊ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ግለጽ።

20 ደቒቕ:- “ንሰባት ዘሎና ዕዳ” ካብ ናይ 1 ሓምለ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 11 ቍ. 13 ዘሎ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ።

መዝሙር 10 (82)ን መዕጸዊ ጸሎትን

1 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 17 (187)

15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ሓምለ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ኪህቡ ኣዘኻኽሮም። ንሰማዕቲ ኣብ ገጽ 70 እታ ሚኒስትሪ ስኩል እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኺግንጽሉ ብምዕዳም ንሕጡብ ጽሑፍ 1ን 2ን ከምኡውን ነታ “ኣብ ኣኼባታት ብኸመይ ሓሳባት ከም እትህብ” እትብል ሳጹን ተመያየጡለን።

15 ደቒቕ:- “ደቕኹም ኣብ ኣገልግሎት ዕቤት ኪገብሩ ሓግዝዎም።” ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ሓደ ወላዲ ምስ ውላዱ ቕልል ዝበለ ኣቀራርባ ኺጥቀሙ ኸለዉ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። እቲ ወላዲ ነቲ ወፈያ ኽትገብረሉ እትኽእል ምድላው ኣሕጽር ኣቢሉ ብምግላጽ ነቲ መርኣያ ይዛዝም።

15 ደቒቕ:- ምስ ኵነታት ዚኸይድ ኣቀራርባ ፈቲንካዶ ትፈልጥ፧ ኣብ ናይ ጥሪ 2005 መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 6 ተምርኲስካ ዚቐርብ ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ነቲ ኣብኡ ዘሎ ኣቀራርባ ድገሞ: ኣስፋሕቲ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዚዕደል ጽሑፋት ምስ ኵነታት ዚኸይድ ኣቀራርባ ብምጥቃም ብኸመይ ኪዕድልዎ ኸም ዚኽእሉ ግለጽ። ሓደ ወይ ክልተ መርኣያታት ድማ ኣቕርብ።

መዝሙር 2 (15)ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ